Saturday , April 27 2024

ሽወደን ብመንገዲ ኤርትራዊ ዝመበቖሉ ንመጀመርያ ግዜ ተዓዋቲት ወርቂ መዳልያ ውድድር ጉያ መሮር ኤውሮጳ ኮይና።

ሽወደን ሎሚ ዓመት ብ መንገዲ ኤርትራዊ መበቖል ዘልዎ ሮበል ፍሳሃ ኣብ ውድድር ቻምፒዮን ጉያ መሮር ሃገራት ኤውሮጳ 2019 ብምስታፍ ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ታሪኻ ተዓዋቲት ወርቂ ብምዃን ሽማ ደሚቑ። እዚ ወዲ 23 ዓመት ዝኾነ  ሮቤል ፍስሃ ነዚ ኣብ ሃገረ ፖርትጋል ከተማ ሊዝበን ዝተኻየደ ውድድር ጎፖ ብ 29 ደቒቕን 59 ሰኮንድ ንውድድሩ ብመዝዛም ንዑኡን ንሽወደንን ቦኽሪ ታዓወቲ እዚ መድርኽ ዝኾኑ።

ኣብዚ ውድድር ካሎኦት ኤርትራውያን መቦቖል ዘለዎም ማለት የማነ ብርሃን ን ሃገር ኢጣልያ ሳልሳይ ደረጃ ብምሓዝ ተዓዋቲት ክገብራ ከሎ፣ ካልእ ኤርትራዊ መቦቖል ዘለዎ ሳሚኤል ስባህቱ ን ጀርመን ብምውካል ናይ ሻዱሻይ ደርጃ ብምሓዝ ካብቶም ደሚቖም ኣብዚ ውድድር ዝወጹ ክኾኑ ካብዝኽኣሉ እዮም።

በዚ ኣጋጣሚ ን ኹሎም ኣትለታት እንዃዕ ሃጎሰኩም ንብሎም።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com