Wednesday , April 24 2024

ሽወደን ብ ሸቶ ኣለክሳንደር ኢሳቕ ተሓጊዛ ትዕወት

ሃገራዊት ጋንታ ሽወደን ትማሊ ምሸት ካብ ሃገራ ወጻኢ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ሩስያ ዝነብራ ናይ ምሕዝነት ጸወታ ብ ዓወት 2ብ 1 ተዓዊታ። ኣብቲ ካብ መፈለምትኡ ኣብ መስመር ምጥቃዕ ን ኣለክሳንደር ኢሳቅ ኣሰልፋ ዝጀመረቶ ግጥም፣ገና ኣብ መበል 21 ደቂቅ ካብ ኣለክሳንደር ዝረኸበታ ሸቶ ተሓጊዛ እያ ንዕረፍቲ መሪሓ ወጺኣ። ኣብዚ ግጥም ብዙሓት ንኣሽቱ ተስፋ ዘለዎምን ተጻወቲ ዝተሰለፉሉ ጸወታ፣ ሸወደን እንተድኣ ዕድል ሂባቶም መጻኢ ቡሩህ ተስፋ ዘለዎም መንእሰያት ዘመስከርሉ እዩ ነይሩ። ኣብ ናይ ካልኣይ እብረ ጸወታ እውን ቀዲማ ሸቶ ዝረኸበት ሽወደን ኮይና ብመንገዲ ማትያስ ጆሃንሰን ኣብ መበል 73 ደቂቅ እያ ነይራ። ኣብ መወዳእታ 90 ደቂቅ ጸወታ ኣብ ምውድኡ ሃገራዊት ጋንታ ሩስያ ሸቶ ብምርካባ ካብ ብ ዘሮ ምስዓር ተገላጊላ ጸወታ ድማ ብዓወት ሸወደን 2ብ 1 ተዛዚሙ።

ዝቅጽል ጸወታ ሃገራዊት ጋንታ ሽወደን ኣብ ናይ ኤውሮፓ ነሽን ካብ ኮይኑ ክልተ ግጥማት ምስ ሃገራዊያን ጋንታታት ክሮሽያን ፖርትጋል ተሰሪዑላ ኣሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com