Saturday , April 20 2024

ሽወደን ክሲ መስራቲ መርበብ ሓበሬታ ዊኪሊክስ ኣሳንጅ ስሒባቶ።

ኣብ ሽወደን ዝርከቡ ኣኽበርቲ ሕጊ ኣብ ልዕሊ መስራቲ መርበብ ሓበሬታ ዊኪሊክስ ዝዀነ ጁሊያን ኣሳንጅ ኣብ 2010 ዝመስረቱዎ ክሲ-ዓመጽ ከም ዝሰሓቡዎ ሓቢሮም። እቲ ነቲ ክሲ ከም ዘይወዓሎ ክማጐት ዝጸንሐ ኣሳንጅ፡ ካብ ብሪጣንያ ናብ ሽወደን ከይጥረዝ ምእንቲ ንዝሓለፈ ሸውዓተ ዓመታት ኣብ ለንደን ዝርከብ ኤምባሲ ኤኳዶር ንሸውዓተ ዓመታት ከም እተዓቝበ ይፍለጥ። እንተዀነ እቲ ወዲ 48 ዓመት ኣውስትራሊያዊ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ካብቲ ኤምባሲ ክስጐግ እንከሎ፡ ብሪጣንያ ድማ ንናይ ዋሕስ ሕጊ ብምጥሓሱ ንሓምሳ ሰሙናት ኣብ ማሕቡስ ክጸንሕ ከም ዝፈረደቶ ይዝከር።

እቲ መርመራታት ካብ 2017 ኣትሒዙ ከይተገንጸለ እኳ እንተጸንሐ፡ ኣሳንጅ ካብ ኤምባሲ ድሕሪ ምስጓጉ ግን ዳግማይ ከም እተኸፍተ እዩ ዝንገር። ኣሳንጅ ኣብ 2010 ኣብ ስቶሆልም ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ዊኪሊክስ ንኽልተ ኣብቲ ዋዕላ ዝተሳተፋ ደቂ-ኣንስትዮ ከም ዝዓመጸ ዝሕብር ክሲ እዩ ነይሩ። እንተዀነ ንሱ እቲ ጉዳይ ዓመጽ ዘይኰነስ ኰነ ኢልካ ስሙ ንምጽላም ዝተገብረ ምዃኑ እዩ ክሕብር ጸኒሑ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com