Friday , March 29 2024

ቀሳቢ ድርኺት

ብዙሓት ሰባት ምስ ቅሳበ ዝመሳሰል ሓሳባት ከም ንኣብነት፡ እቶን ኣጥፊአዮ`ዶ፡ ማዕጾ ተዓጽዩ`ዶ እንዳበልካ ምቊጽጻር፡ ክህልወኦም ይኽእል። እዚ ቀሳቢ ድርኺታት፡ ነቲ ሰብ ህይወቱ ክሕምሰሉ ኣብ ዝኽእል ደረጃ ምስ ዝበጽሕ ከም ሕማም እዩ ዝቊጸር። እዚ ኸኣ ሕክምናዊ ረድኤት ክርከበሉ ዝኽእል ሕማም እዩ።

ቀሳቢ-ድርኺት እንታይ እዩ?

ምሒር ምምዝባል ውሽጣዊ ድራኺ (obsessive compulsive disorder) ሕማም ኮይኑ፡ ነቲ ግዳይ ዘይተደልየ ነገራት ክገብር ዝእዝዞ ቀሳቢ ሓሳባት ክወሮ ይገብር። እዚ ረባሺ ዝኾነ ቀስቃሲ ድፍኢት ኣብ መዓልቲ ብውሑዱ ንሓደ ሰዓት ኣቢሉ ዝጸንሕ ወይ ውን ብኻልእ ኣዘራርባ ንህይወትኩም ዝሰናኽል ምስ ዝኸውን፡ ዘይደለኻዮ ነገር ክትገብር ዝደፋፍኣካ (tvångssyndrom) ሕማም ሒዙኩም ኣሎ ማለት እዩ። እዚ ጸገም እዚ ብብዝሒ ኣብ ህጻናትን ኮተቴን ዝርአ ኮይኑ ንኣስታት 2%  ናይ ህዝቢ ሽወደን ኣጥቒዑ ዝርከብ ሕማም እዩ።

እቲ በዚ ሕማም ዝተጠቕዐ ሰብ፡ ባህሩ ቅጥዒ ዘይብሉ ወይ ሓላፍ ዘላፍ ምዃኑ ይፈልጥ እዩ። ነቲ ውሽጡ ግበሮ ኢሉ ዝድርኾ ስምዒት ውን ሸለል ኢልዎ ክሓልፍ ይደሊ እኳ እንተኾነ፡ ብሰንኪ`ቲ ጸገም ዝፈጥሮ ሻቕሎትን ካልእ ኣሸጋሪ ስምዒት ግን፡ ነቲ ውሽጡ ዝእዝዞ ዘሎ ነገር ክገብሮ ይግደድ።

ቐሳቢ ስምዒታት (tvångstankar) ቕሱብ ተግባራትን (tvångshandlingar) እንታይ እዩ?

ቐሳቢ ስምዒት፡ ቊጥዐን ፍርህን ዝዘርእ ወይ ዘይምምሻው ዝፈጥር ውርር ዘብለካ ሓሳብ እዩ። እቲ ዝወረካ ሓሳብ፡ ንኣብነት ንስኻ ወይ ውን ናይ ቐረባ ቤተ-ሰብካ ጸገም ከጋጥመኩም ወይ ውን ንስኻ ሰብ ክትሃሲ ኢኻ ዝብል ሓሳባት ንኣእምሮኻ ይወሮ። እቲ ዝወረካ ሓሳብ ወትሩ ብኸምዚ ዝስዕብ ዝጅምር እዩ..“ሕሰብ እስከ______እንተኣጋጢሙ“

እቲ ዝወረካ ሓሳብ ዘይደለኻዮ ነገር ክትገብር ይደፋፍኣካ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ እቲ ግዳይ፡ ነቲ ዝወሮ ዘሎ ሓሳብ ንምግታእን ሻቕሎት ንምፍዃስን ገለ ነገር ክገብር ይግደድ። ንኣብነት፡ እቲ ግዳይ ሓደ ነገር ተበላሽዩ ኣሎ ዝብል ሓሳብ የምጽእ እሞ፡ ነቲ ነገር ክሳብ “ተዓርዩ“ ዝብል ከኣ፡ ደጋጊሙ ሓደ ነገር ይገብር።

ግዳያት ናይዚ ጸገም ተገዲዶም ዝገብርዎም ልሙድ ነገራት፡ ደጋጊምካ ነብስኻ ምሕጻብ፡ ማዕጾን እቶንን ተዓጽዩ ምህላዉ ምቊጽጻር ወይ ውን ሓደ ነገር ንነብስኻ ምድግጋም ዘጠቓለለ እዩ። ብዜካ`ዚ እቲ ግዳይ፡ መቕርቡ ካብ ሓደጋን ካልእ ናጤባታትን ክድሕኑ ምእንቲ ዝኾነ ጸሎተ-ሃለውለው የንብበሎም።

እዚ ጸገም ንህይወተይ ብኸመይ ይጸልዎ?

እቶም ብጸገም ቐሳቢ-ስምዒት ዝሳቐዩ ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ቁጽጽርን ቅጥዒ-ኣካይዳን ይደልዩ። እቶም ግዳያት ባህሮም ስለዘሕፍሮም ካብ ሰብ ክንጸሉ ልሙድ እዩ። ዋሕዚ ሓሳባትን ቁጽጽርን ስለዝብሕቶም ካብ ዝሓሰብዎ ምኻድ ክደናጎዩ ወይ ውን ኣብ ግዛ ጥራይ ተሓጺሮም ክተርፉ ይኽእሉ። ቅጥዒ ዘይብሉ ደጋጊምካ ነብስኻ ምሕጻብ ውን ናይ ኣእዳው ቁስሊ ወይ ውን ምቕያሕ የስዕብ።

ግዳይ ቐሳቢ ስምዒታትን ተግባራትን ምዃን ዕጫ እምበር ምርጫ ኣይኮነን። እቶም ዝፍጠሩ ኣሸገርቲ ዝኾኑ ሓሳባትን ስምዒታትን እቲ ሕማም ዝፈጠሮም እምበር፡ መሰረት ሰብኣዊ-መንነት ናይቲ ሰብ ኣይኮኑን። ከም ቤተ-ሰብ ናይ ሓደ በዚ ሕማም ዝተጠቕዐ ሰብ፡ እቲ ዝፍጠር ጸገማት ናብቲ ግዳይ ኣይተውርድዎ። ምኽንያቱ፡ ንሻቕሎቱ ናፍታ ከይትውስኹሉ።

መዓስን ኣበይን ሓገዝ ክሓትት ይኽእል?

ንስኹም ወይ ቤተ-ሰብኩም በዚ ጸገም ትሳቐዩ ምስ እትህልዉ እሚ ኸኣ ንሱ ዝፈጠሮ ሻቕሎት መዓልታዊ ህይወትኩም ይዝረግ ምስ ዝህሉ፡ ክግበረልኩም ዝኽእል ክኢላዊ ሕክምናዊ ረድኤት ኣሎ እዩ`ሞ፡ ሓገዝ ሕተቱ። ብመጀመርያ ምስ ማእከል ጥዕና ወይ ውን ክፉት ማእከል ሲካትሪያዊ ክንክን ተራኸቡ። ዕድሜኹም ትሕቲ 18 ምስ ዝኸውን ምስ ማእከል ክንክን መንእሰያት፡ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ኣብ ቤት-ትምህርቲ ወይ ውን ምስ ሲካትሪያዊ ማእከል ህጻናትን ኮተቴን ተራኸቡ። ደፊርካ ሕክምናዊ ሓገዝ ክትሓትት ምእንቲ ዘተባባዕ ዘመድ ወይ ውን ናይ ቐረባ ዓርከ-መሓዘ የድልየካ እዩ።

እቲ ፍወሳ፡ ሳይኮተራፒ (ፍወሳ ሕማም ኣእምሮ)፡ መድሃኒታት ወይ ውን ክልቲኡ ዘጠቓለለ ክኸውን ይኽእል። እቲ ተገንዝቦኣዊ ባህሪኣዊ ፍወሳ (Kognitiv beteendeterapi (KBT) ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣገባብ ፍወሳ፡ ነዚ ሕማም ኣብ ምፍዋስ ውጽኢታዊ ኮይኑ ምርካቡ ይፍለጥ። እዚ ኣገባብ ፍወሳ፡ ነቲ ግዳይ ቀስ-ብቀስ ምስቲ ዘይምምሻው ዝፈጥረሉ ነገራት ከምዝለማመድ ብምግባር ኣብ ዝተናውሐ ሻቕሎት ከምዝንክየሉ ንምግባር ዝዓለመ እዩ። ኣዛናዪ ዝኾነ ንጥፈታትን ኣካላዊ ምንቅስቓሳት ውን ሓጋዚ እዩ።

ምንጪ: mind.se/tg


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com