Friday , April 26 2024

ቀዳማይ ሚኒሰተር እስቲቨን ሉቨን ልፍንታዊ መንግስቲ ነቑም ዝብል ጻውዒት ነጺግዎ፡፡

ቀዳማይ ሚኒሰተር እስቲቨን ሉቨን ነቲ ብመራሕቲ ልፍንታዊ ማእከላይ የማናዊ ሰልፊ ዝቐረበሉ ልፍንታዊ መንግስቲ ነቑም ዝብል ጻውዒት ነጺግዎ፡፡

ንሱ ስቶክሆልም ኣብዝርከብ ቤተመንግስቲ ኮይኑ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ እዩ ነቲ ጻውዒት ምሉእ ብምሉእ ከም ዝነጸጎ ዘፍለጠ፡፡

ኣብ መግለጺኡ ሰልፉ ኤስ.ፒ.ዲ ብጥሙር ሰልፊ ዝምራሕ መንግስቲ ከም ዘይትድግፍ ኣስሚርሉ፡፡ ሉቨን ጥሙር መንግሰቲ ዝበሎ ነቲ ብዓቃባዊ፡ ሊበራላዊ፤ ማእከላይን ዲሞክራስያዊን ሰልፍታት ዝቐውም ጥምረት እዩ፡፡

መራሕቲ ናይዘን ኣርባዕተ ሰልፊታት ንመራሒ ዴሳዊ ዴሞክራስያዊ ሰልፊ እስቲፈን ሉቨን ኣብ ዝገበርዎ ጻውዒት ዴሳዊ ሰልፊ ዝድግፎ ልፍንታዊ መንግስቲ ንምቛም ዝዓለመ ቀጥታዊ ዝርርብ ክገብር ጠሊቦም ኣለዉ፡፡

እዚ ዝተፈልጠ ሎሚ ተሓቲሙ ንንባብ ካብ ዝበቕዐ ጋዜጣ ዳጉንስ ኒህተን ብመራሕቲ እዘን ኣርባዕተ ሰልፍታት ዝተጻሕፈ ዓንቀጽ እዩ፡፡ ኣብቲ ዓንቀጽ ሉቨን ሰልፍታት ብህድኣት ውጽኢት ምርጫ ክጽበያ ተላብዩ ኣሎ፡፡


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com