Friday , April 26 2024

ቀዳማይ ሚኒስተር ሉፈን ፖሊሲ ምጥርናፍ ስድራቤት ጥብቅና ከም ዝቘመሉን ንጒጅለታት ገበን ክቃለስ ምዃኑን ገሊጹ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ስቴፈን ሉፈን ፖሊሲ ምጥርናፍ ስድራቤት ጥብቅና ከም ዝቘመሉን ንጒጅለታት ገበን ክቃለስ ምዃኑን ብሰሉስ ኣብ ዝሃቦ መደረ ገሊጹ። ኣብ ምኽፋት ሓድሽ ባይቶ ኣብ ዝሃቦ ቃል ምጥርናፍ ስድራቤት ሰብኣዊነት ምዃኑን ንማሕበራዊ ምውህሃድ ኣዝዩ ኣገዳሲ መስርሕ ምዃኑን ገሊጹ’ሎ። እንተኾነ ግና ኤጀንሲ ኢሚግሬሽን ካብ ውሑሳት ዝበለን ሃገራት ዝመጹ ሓተትቲ ዕቚባ ፋይላቶም ብቕልጡፍ ከሳልጡሎም ብኣጽንኦት ተላብዩ’ሎ።

ብተወሳኺ ንዕድመ ሓተትቲ ዕቚባ ደጊሞም ክኽልስዎን ኣብ ጒዳይ ፖሊሲ ኢሚግሬሽን ኣባል ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት ምትሕብባር ከርእያን ሓላፍነተን ክዋጽኣን ጸዊዑ’ሎ። ብዛዕባ ምክልኻል ጒጅለታት ገበን ኣብ ዝሃቦ ቃል ምክልኻል ገበን ናይ ቀዳምነት ቀዳምነታት መንግስቲ ሽወደን ምዃኑ ዝያዳ ማል፡መንግስቲ ክዋፈር ምዃኑን ገሊጹ’ሎ። ብተወሳኺ 93 ሽሕ ሓደስቲ ፖሊስ ክኽተቡ ምዃኖም እውን ኣመልኪቱ’ሎ።

ኣብ ሆስፒታላትን ማእከላት ጥዕናን ዘሎ ናይ ምጽባይ ግዜ ከሕጽሮ ከምኡ’ውን ኣብ ጒዳይ ምልዋጥ ክሊማን ምውሳኽ ዋዒ ዓለምናን ዘለዉ ትግባረታት መግለጺ ሂቡ። ዝበዝሑ ሰባት ናብ ዕዳጋ ሽቕለት ንምእታው ክሰርሕ ምዃኑ’ውን ኣመልኪቱ’ሎ። ብዛዕባ ምውጻእ ብሪጣንያ ካብ ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣመልኪቱ ሽወደን ኣብ ስምምዕ ምውጻእ ብሪጣንያ ቀጻሊ ምትሕብባር ከም እትገብርን ንኹሉ ተኽእሎታት ድሉው ምዃኑን እውን ወሲኹ ኣብሪሁ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com