Friday , April 26 2024

ቀዳማይ ሚኒስተር ዓዲ እንግሊዝ፡ ቦሪስ ጆንሶን፡ ብክሮና ቫይረስ ተለኺፉ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ዓዲ እንግሊዝ፡ ቦሪስ ጆንሶን፡ መርመራ ናይ ደም ድሕሪ ምክያዱ ብቫይረስ ክሮና ተለኺፉ ከምዘሎ ከምዝፈለጠ ሓቢሩ። ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ፈኮስቲ ምልክታት ናይቲ ሕማም ክስመዖ ድሕሪ ምጅማሩ መርመራ ክገብር ከምዝተገደደን ሎሚ ዓርቢ ድማ በቲ ቫይረስ ተለኺፉ ከምዘሎ ከረጋግጽ ክኢሉ። ቦሪስ ጆንሶን ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ገዝኡ ተወሺቡ ከምዘሎ ድሕሪ ምሕባሩ፡ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ ድማ ብመንገዲ ኢንተርኔት ኣቢሉ ስርሑ እናዓመመ መንግስቲ ክመርሕ ምዃኑ ሓቢሩ ኣሎ።

ምስ ሃገራት ኤውሮፓ ብምንጽጻር፡ ዓዲ እንግሊዝ ሓንቲ ካብተን ኣንጸር ምልባዕ ሕማም ቫይረስ ክሮና ደንጉያ ዝተንቀሳቐሰት ሃገር ምዃና’ዩ ዝንገር። ይኹን እምበር ኣብዚ ሕጂ እዋን ልዑል ኣገዳስነት ዘለዎ ኣገልግሎታት ዘየበርክታ ትካላትን ቦታታትን ከምኡ ውን ልዕሊ 2 ሰባት ምትእኽኻብ ከልኪሉ ከም ዘሎ መንግስቲ ጆንሶን ይዛረብ።

ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ምልባዕ ሕማም ቫይርስ ክሮና ካብ ዝጅምር ንመጀምርያ ግዜ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ጥራይ 115 ሰባት ከምዝሞቱ ጸብጻባት ሓቢሮም። ክሳብ ሎሚ ቁጽሪ ናይቶም በዚ ሕማም ዝተለኽፉ ሰባት 11658 ክበጽሕ እንከሎ 578 ድማ ሞይቶም።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com