Tuesday , April 23 2024

ቁጠዐ (allergic reactions) ከስዕብ ዝኽእል ቢራ፡ ካብ ዕዳጋታት ናብ ፋብሪካ ንኽምለስ ተሓቢሩ

ፍርያት ጎትላንድስ ብሪጌሪ ዝኾነ “ዊስቢ ናን ኣልኮሊክ ላገር” (Wisby non-alcoholic lager) ዝብል ናይ ንግዲ ስም ዘለዎ ኣልኮል ዘይብሉ ዓይነት ቢራ ካብ ሲስተምቦልጌትን ቤት ምግብታትን ናብ ፋብሪካ ንኽምለስ ተሓቢሩ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ እቲ ቢራ፡ ኣብ ዝርዝር ኣስማት ትሕዝትኡ፡ ዘይተጠቕሰ ዓይነት ቡቕሊ ብምህላዉ ምዃኑ ስፐንድሩፕስ ኣብ ዘውጸኦ ጽሑፉ ገሊጹ። እዚ ዓይነት ቡቕሊ፡ ነቶም ኣብ ስርናይ ዝርከብ ተላጋቢ ናይ ፕሮቲን ትሕዝቶ (gluten) ዘይጻወሩን ናይ ስርናይ ቁጠዐ ዘለዎም ሰባት ጸገማት ክፈጥረሎም ከምዝኽእል ተሓቢሩ።
እቲ ዝምለስ ቢራ፡ ቅድሚ ጥቅምቲ 26/2020 ን ግንቦት 10/2021 ዝስተ ዝብል ሓበሬታ ዘለወን ጠራሙዝ እየን።
ጎትላንድስ ብሪጌሪ፡ ነዚ ኣጋጣሚ ብዕቱብ ርእዩ፡ ኣብ መጻኢ ከምዚ ዓይነት ጸገማት ንኸየጋጥም ዘድሊ ዘበለ ስጉምታት ከምዝወሰደ እቲ ፋብሪካ ኣብ ጋዜጣዊ ጽሑፉ ሓቢሩ።
እቲ ኣልኮል ዘለዎ ዓይነት ቢራ “Wisby lager” ግን እዚ ዝተጠቕሰ ዓይነት ቡቕሊ ስለዘይብሉ ካብ ዕዳጋታት ከምዘይምለስ እቲ ፋብሪካ ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com