Thursday , April 18 2024

ቅልጡፍ ኣገባብ መስርሕ ሚግረሽን

migration TT

ቤትጽሕፈት ሚግረሽን ንዕቝባ ሓተታ መስርሕ ልዑል ደረጃ ኣንቢሩ ኣሎ፡ እዚ ድማ ኣብ ዝመጽእ ቀውዒ ኪጅመር እዩ። ናይዚ ዕላማ ድማ ነቲ ብውሑዱ ፍርቂ ጉዳይ ካብ ማመልከቻ ክሳዕ ውሳኔ 30 መዓልታት ከም ዚወስድ ንምግባር እዩ።

እዚ ኩነታትዚ ሰለስተ ኣዋርሕ ድሕሪ ናይ ስደተኛታት ወጥሪ ነቲ ኩሉ ግዜ ዚውቀስን ብዙሕ ዚጽዕርን ሚግረሽን ልሙድ እናኾነ ይኸይድ ኣሎ። ሕጂውን ኣብ ንገንዘብን ሰራሕተኛታትን ብዚምልከት ኣብ ጸገም እዩ ዘሎ።

እዚ ሕጂ ኣብ ሪጋ ዘሎ ቍጽሪ ስደተኛታት ካብቲ ናይ 2015 ዝተሓተ እዩ፡ ማለት 25000። እቲ ቍጽሪ እናተሓተ ይኸይድ ኣሎ፡ ብመሰረት ኣካያዲ ስራሕ ሚካየል ሪበንቪክ ድማ ናብ 500 ሰባት ኣብ ወርሒ ኮይኑ ኣሎ።

ከምዚ ኪብሃል ከሎ ንሕና ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ንመጀመርያ ግዜ ሓድሽ ኣገባብ ክንጥቀም ንኽእል ኢና። መጀመርታ ዚግበር ድማ ብዛዕባ ዕቝባ ብዚምልከት ኮይኑ ሓደ መምርሒ መደብ ኣብ ዮተቦሪ ኪጅመር እዩ።

እቲ ፈላሚ ዕላማ ነቲ ናይ ዕቝባ ጉዳይ ፍርቁ ኣብ 30 መዓልታት ንምውዳእ እዩ ይብል ሪበንቪክ ን TT ኣብ ኣልመዳለን ኣብ ቪስቪ፡ ኣብኡ ድማ እቲ በዓልስልጣን ናይ ሰሙን ቀጻሊ ሰሚናራት ኣካዪዱ ኣሎ።

እቲ ኣሲል 360 ተባሂሉ ተጸዊዑ ዘሎ መደብ፡ ኣብ የተቦሪ እዩ ዚካየድ ግን ከኣ ነቲ ካብ ስቶክሆልምን ካብ ደቡብ ኣውራጃታትን ዚለኣኽ ንማመልከቻታት እውን ኪርእዮ እዩ። እቶም ዕቝባ ዚሓቱ እውን መብዛሕትኡ ኣብኡ እዮም ዚነብሩ።

ነቲ ሽቶ ኪወቕዖ ከም ዚኽእል ይግምት

ሰላሳ መዓልታት ኣዚዩ ልዑል ሽቶ እዩ፡ እቲ ሚግረሽን ግን ኪገብሮ ከም ዚኽእል ይግምት።

እዚ ግን በዚ ሕጂ ዘለዎ ግዜ ከመይ ከም ዚመስል ብምግማት እዩ ይብል ሪበንቨክ፡ እቲ ናይ ምቕባል መስርሕ ድማ በቲ እቶም ዑቕበኛታት ዚመጹሉ ሃገር ኪጽሎ ይኽእል እዩ።

እቶም ዑቕበኛታት ኩሎም ካብ ባልካን ሃገራት ዚመጹሉ ዓመት እንተ ኾይኑ፡ እቲ ናይ ምቕባል ግዜ ይሓጽር እዩ ወይውን ካብ ሶርያ። ካብ ኢራንን ኣፍጋኒስታንን ኪመጹ ከለዉ ግን እቲ ጉዳይ ኣዚዩ ይተሓላለኽ።

ሪበንቪክ፡ እቲ ቤትጽሕፈት ሚግረሽን ነቲ ምንዋሕ ግዜ ብዚምልከት ዘይግብኦ ነቐፌታ ከም እተቐበለን ናይ ሪጋ ግዜን ምስ ናይ ቅበላ መስርሕ ግዜ ኩሉ ግዜ ከም ዚተሓዋወስ እውን ይገልጽ፡ እዚ ድማ ናብ ዘይምርድዳእ የምርሕ ድማ ይብል። ሓደ ካብቲ ንሕጊ ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ ኣመልኪቱ ብዛዕባ በይኖም መጻእቲ ዚብሃል፡ እቲ ናይ ምቕባል መስርሕ ኣዚዩ ነዊሕ ግዜ ብምውሳዱ ነቶም በይኖም ዚመጹ ህጻናት ኣብ ጸገም የእትዎም እዩ፡ ከም ብሓድሽ መንበሪ ፍቓድ ከም ዚሓቱ ድማ ይገብር።

ኣመና ወሰኽ 2015

እቲ ናይ ምጽባይ ግዜ ነዊሕ እዩ ዚብሃል እንተ ኾይኑ፡ እሰማምዓሉ እየ። ግን እቲ ግዜ ኣዚዩ ስለ ዝነውሐ እቲ በዓልስልጣን ካልእ መገዲ ኪጥቀም ነይሩዎ ዚብል ኣይቅበሎን እየ። እንታይ ማለት ምዃኑ ኣይፈልጥን ይብል ሪበንቪክ።

ካብ 2015 ጀሚሩ እቲ ናይ ምጽባይ ሪጋ እዩ ወሲኹ፡ ይብል፡ እቲ ናይቶም በይኖም ዚመጹ ብዝሒ ድማ ኣዚዩ ወሲኹ።
ቅድሚ 2015 እቲ መስርሕ ካብ ኣርባዕተ ክሳዕ ትሽዓተ ኣዋርሕ ይወስድ ነይሩ ይብል ሪበንቪክ።

ካብቲ ናይ ስደተኛታት ወጥሪ ጀሚሩ ኣብዚ እዋንዚ ሚግረሽን ኣስታት 4000 ጉዳያት ይርእይ ኣሎ። እዚ ድማ ኣብዚ ዓመት፡ዚ ኪውዳእ እዩ ይብል እቲ ስራሕ ኣካያዲ። እቲ ናይቶም በይኖም መጻእቲ ጉዳይ ግን ነቲ ስራሕ ኪጸልዎ ይኽእል እዩ።

ካብዞም ልዕሊ 9000 ሓድሽ ዘመልክቱ ዘለዉ በይኖም መጻእቲ ብዙሓት ኣወንታዊ መልሲ ኪረኽቡ እዮም። እተን ነቲ ማመልከቻታት ዚከታተላ ውድባት ደልዲለን ኣለዋ፡ ኣብዚውን ካብ 3000 ክሳዕ 4000 የመልክቱ እዮም ግን ኪንጸጉ እዮም።

ኣብ ካልእ ስራሕ ጽልዋ ከይገበረልና ነቲ ጉዳይ ክንውድኦ ተስፋ ንገብር፡ ይብል ሚካየል ሪበንቪክ

ላሽ ላሾን /TT

 

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com