Saturday , April 20 2024
PHILIP OLDHAM/BPI/REX/SHUTTERSTOCK/TT

ቅርጻ ምስሊ መሓመድ ሓላሕ፡ ደገፍቲ ኩዕሶ የስሕቕ

ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ሸፊንዎ ዝነበረ መጋረጃ ተቐንጢጡ ንምርኢት ዝበቕዐ ቅርጻ ምስሊ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ሊቨርፑል መሓመድ ሳላሕ፡ ንብዙሓት ኣፍቀርቲ ኩዕሶ እግሪ ከስሕቕ እንከሎ ንገሊኦም ድማ ኣገሪምዎም ኣሎ።

Ayman Aref/TT

እቲ ቕርጻ፡ ሳላሕ ጎል ድሕሪ ምምዝጋቡ፡ ኣእዳዉ ዘርጊሑ ንሰማይ እናጠመተ ብፍሽኽታ ክጽምብል እንከሎ ዘርኢ ኮይኑ፡ ኣብ ምስራዊት ከተማ ሻርም ኤል ሸኽ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዓለማዊ ዋዕላ መንእሰያት እዩ ንትዕዝብቲ ተቓሊዑ። ይኹን’ምበር፡ ኣብቲ ቅርጻ፡ ግዝፊ መሓውራት ናይቲ ምስራዊ ምስ ግዝፊ ገጹን ርእሱን ክነጻጸር ኣዝዩ ዝነኣሰ ብምዃኑ ናይ ካርቱን ስእሊ እዩ ኣምሲልዎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com