Thursday , April 25 2024

ቅቡል ክትከውን

ምስ ሰባት ኣብ እትቀራረበሉ እዋን ፍሽኽታ ኣዘውትር። ሰባት ከዕልሉኻ እንከለዉ ድማ ጽን ኢልካ ተገዲስካ ስምዓዮም። ኣሉታዊ ነቐፈታ ምሃብ ምስ ሰባት ከረሓሕቐካ ልዑል ተኽእሎ ኣለዎ። ስለዚ ሚዛኑ ዝሓለወ ምኽሪ ኣዘውትር። ካብ ንነቐፌታ ምቅድዳም ሓሳባት ሰባት ክትቅበል ፈትን።

ኩሉ ግዜ ሻራዊ መርገጺ ምሓዝ ምስ ሰባት የባእሰካዩ። ስለዚ ርትዓዊ ኩን፡ ሰባት ከይጸልኡኒ ኢልካ ንሓቂ ኣይትሕብኣያ። “ኣነ ሃህ ኢለየ ዝዛረብ” እናበልካ ድማ ስምዒትካ ኣይትደርጕሕ። መዓስን ብኸመይን ሰባት ከም እተረድእ ፍለጥ። ኣመና ዘይተጋነነ ሓሶት ንሰባት ከፋቕሮም ከም ዝኽእል ኣይትዘንግዕ።

ሓዳግን ዕሽሽ በሃላይን ኩን። ብዘለካ ጽቡቕን ጽሩይን ኴንካ ቅረብ። ሓገዝ ኣብ እትሕተተሉ እዋን ሰባት ካብ ምሕጋዝ ኣይተብኩር። ዝተሸገረ ሰብ ምስ እትርኢውን ባዕልኻ ናይ ሓገዝ ሕቶ ኣቕርበሉ። ኣተባባዒ ድማ ኩን። ሽዑ ብኻልኦት ቅቡል ክትከውን ኢኻ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com