Friday , March 29 2024

በዓልመዚ ስታቲስቲክስ ብዛዕባ መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ናይ ሓሶትን ዝተጋነነን ጸብጻብ ምህላዉ ኣረጋጊጸ ይብል።

በዓልመዚ ስታቲስቲክስ ንጋዜጣ ኣፍቶንብላዴት ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣብ ሽወደን ብዛዕባ መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ናይ ሓሶትን ዝተጋነነን ጸብጻብ ኣሎ። መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ክንድቲ ዝተፈርሆ ኣይወሰኸን፡ እንተኾነ ግና ኤቭሪ ዝለኣኾ ጸብጻብ ሓሶት ከም ዘለዎ ምልላዩ ሓቢሩ’ሎ። በዚ ምኽንያት ድማ ኣብ ሓቀኛ መጠን እዚ ተርእዮ ዘለዉ ፍልልያት ኣብ ቀረባ ኣዋርሕ ክውስኹ ከም እተገብሩ ኣመልኪቱ’ሎ።

ብመሰረት በዓልመዚ ቆጸራ ጃን ክሊን ኣብ ዝሓለፈ መስከረም ኣብ መንጐ እቲ ዝተላእከን ዝተጻረየን ጸብጻባት ናይ 1.1 ሚእታዊት ፍልልይ ተራእዩዎ ኔሩ። በዚ ድማ ብመሰረት ናይ ቀረባ እዋን ምምሕያሻት መጠን ስራሕ ኣልቦ ሰባት ካብ 7.1 ናብ 6 ሚእታዊት ክመዓራረ ተጌሩ’ሎ። እዚ ጌጋትት ዝተፈጥረሉ ምኽንያት በዓልመዚ ስታቲስቲክስ ኤቭሪ ናይ ሓሶት ጸብጻብ ኮነ ኢሉ ብምልኣኹ ክኸውን ይኽእል እዩ ዝብል ጠርጠራ ኣሎ ተባሂሉ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com