Friday , April 19 2024
Alkompis

በዓል ልደት ኣብ ዝበዓለሉ ወቕቲ መብዛሕትኡ ክፋል ሽወደን ጻዕዳ ኮይኑ ከም ዝሓልፍ ተሓቢሩ።

ማእከል ሜትሮሎጂ ከም ዝተነበዮ እንተኾይኑ ኣብ መዓልታት በዓለ ልደት መብዛሕቱኡ ሽወደን ብሰንኪ ዛሕሊ ውርጪ ከም ዝረኣዮን፥ ተወሳኺ ውርጪ ክወርድ ከም ዝኽእልን ይግመት።

ምዕራባዊ ገማግም ክሳብ ሕጂ ምንም ውርጪ ዝበሃል ኣይወደቐን ኣብ ዝየረፈ ክፋል ደቡባዊ ሽወደን ግና ሸንኳፍ ውርጪ ኣሎ፥ ግና ስፖርት ንዝሃረፉ እኹል’ዩ ይብል ሜትሮሎጂስት ኒልስ ሆልምፈስት።

ስኪንግ ዝበሃል ስፖርት ዝፈትዉ ጸሓይ በረድ ከየምከኸቶ ከርክቡ ግዜኦም ሕጂ እዩ ድማ ኢሉ።ውርጪ ኣብ ከባቢታት ቫርምላንድ ዳላርናን ኖርላንድን ኣብ ትሕቲ ባዶ ዛሕሊ ኪኽሰት እዩ።

ጽባሕ ኣብ ከባቢ ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ጎትላንድ ምሸት ክኣ ኣብ ኖርላንድ ገዲፍካ ውርጪ ክወድቕ እዩ ዝብል ግምት የሎን።

ብሓፈሻ ኲነታት ኣየር በዓል ልደትን ሓድሽ ዓመትን ልዝብ ዝበለ ክኽውን እዩ ተባሂሉ እዩ ተገሚቱ ዘሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com