Friday , April 26 2024

በዓል መዚ ጥዕና፡ ኣብ ዝቕጽል መዓልታት ኣብ ዮቶቦሪ ቁጽሪ ግዳያት ክሮና ቫይረስ ክውስኽ ከምዝኽእል የጠንቅቕ።

ኣብ ዝቕጽል መዓልታት ብዙሓት ተቐማጦ ከተማ ዮቶቦሪ ዝኾኑ ሰባት ብክሮና ቫይረስ ክልከፉ ከምዝኽእሉ ኣገልግሎት ጥዕና ሽወደን ሓቢሩ። ኣብ ዝቕጽል ክልተ ሰሙን ቁጽሪ ልኹፋት ክሮና ቫይረስ ኣብ ዮቶቦሪ ክውስኽ ምዃኑ ተመራማሪ ተላበዕቲ ሕማማት፡ ኣንድሽ ቲግኔል፡ ትማሊ ኣብ ዝተኻየደ ጋዜጥዊ ዋዕላ ሓቢሩ። ነፍሲ ወከፍ ከተማ ዝተፈልየ ኩነት ከምዘለዋ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ በዓል መዚ ጥዕና ሽወደን ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ለባዳ ቫይረስ ንምግታእ ብዝተፈላላዩ መንገድታት ይጽዕር ምህላዉን ነፍሲ ወከፍ ሰብ ድማ ሓላፍነት ተሰኪሙ ዝግበኦ ከበርክት ይግባእ ክብል ቲግኒል ኣዘኻኺሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com