Saturday , April 20 2024
Anders Tegnell emphasizes that the protection against becoming seriously ill remains at a very high level.

በዓል መዚ ጥዕና ሽወደን፡ ኣብ ልዕሊ ምምሕዳር ኦፕሳላ፡ ዝተረረ መምርሒታት ኮሮና ኣዊጁ

በዓል መዚ ጥዕና ሽወደን፡ ብጉዳይ ምስፍሕፋሕ  ለበዳ ኮሮን ብዝምልከት፡ ምስ ሓካይም ምክልኻል ለበዳ ድሕሪ ዝገበሮ ርክብ፡ ኣብ ልዕሊ ምምሕዳር ኦፕሳላ፡ ካብ ሎሚ ዕለት 20/10/2020 ጀሚሩ ዝተረረ መምርሒታት ኮሮና ከምዘመሓላለፈ መርበብ ሓበሬታ ተተ (TT) ኣቃሊሑ።

ካብ ሎሚ ጀሚሩ፡ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ኦፕሳላ ዝነብር ሰብ፡ ብመንገዲ ህዝባዊ መጓዓዝያ ዝገብሮ መገሻታት ከቋርጽ ከምዘለዎ፡ ምስ ዘይፈልጦም ሰባት ኣካላዊ ምትንኻፍ ክቑጠብን ማሕበራዊ ምትእኽኻብ ከካይድ ወይ ድማ ክሳተፍ ከምዘይግባእ፡ ኣማኻሪ ሽወደን ኣብ ጉዳያት ተማሓላለፍቲ ሕማማት፡ ኣንዲሽ ቲግኒል፡ ሎሚ ኣብ ዘካየዶ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ።

እዞም መምርሒታት፡ ክሳብ 03/11/2020 ዝቕጽሉ ኮይኖም፡ ንውጺኢቶም ብምግምጋም ናይ ምቕጻል ተኽእሎታት ዘለዎም ምዃኑ፡ ቲግኒል፡ ኣዘኻኺሩ።

ክሳብ’ዚ ሕጂ እዋን፡ ኣብ መላእ ሽወደን፡ 106,380 ብኮሮና ዝተለኽፉ፡ 2635 ኣብ ትሕቲ ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል ዝኣተዉን 5922 ድማ ዝሞቱ ሰባት ከምዘለዉ ጸብጻባት በዓል መዚ ጥዕና ሽወደን ይሕብሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com