Friday , April 19 2024

ቡዙሓት ነበርቲ ካብ ከተማ ስቶኮልም ወጺዮም ኣብ ካልእ ቦታታት ክነብሩ ይመርጹ!!

ብመስረት መጽናዕቲ ስቨኒስካ ዳግ ብላደት ብዝሒ ንከትማ ስቶኮልም ገዲፎም ኣብ ካልእ ቦታታት ዝነብሩ ሰባት ኣብ ዝሓለፈ 10 ዓመታት ከምዝወሰኸን እቲ ድሌት ድማ ገና ብተዓጻጻፊ ቁጽሪ ከምዘሎ ጸብጻብ ምምሕዳር እዛ ከተማ የረድእ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ግን ብምኽንያት ሓደሽቲ ዝውለዱን ናብ ከተማ ስቶኮልም ካብ ዝተፈላልየ ከተማታት በብዓመቱ ዝመጹ ሓደሽቲ ሰፍርቲ ብዝሒ ተቐማጦ እዛ ከተማ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እንዳወሰከ ይከይድ ከምዘሎ እቲ ዘብጻብ ይሕብር።

እዚ መጽናዕቲ ወሲኺ ብሰንኪ ብዝሒ ህዝቢ ህጽረት ኣብያቲ፡ ብዝሒ ሓደጋታት መኪና፡ ሓደጋ ባርዕ፡ ምጭንናቅ ኣገልግሎት ትራንስፖርትን ምሃብ ኣገልግሎት ኣምፑላንስ ዝያዳ ኣሽጋር ከምዘሎ ይገልጽ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com