Friday , March 29 2024

ባህሊ ቓህዋ ዓረቢ ኣብ ቀቢላታት ዓረብ

ምስታይ ቡን ወይ ድማ ቓህዋ ብዓረብ፡ ኣብ መንጎ ኣዕራብ ብፍላይ ድማ ነበርቲ ገጠር ዓቢ ክብሪ ዘለዎ ጽምብል’ዩ። ቡን ከም ምልክት ልግሲ’ያ እትቑጸር። ኣብ ልዕሊ ኣግማሎም ልዑል ፍቕሪ ዘለዎም ኣዕራብ፡ ንቡን ካብ ጸባ ግመል ፈልዮም ኣይርእዩዋን’ዮም። ወግዒ ቡን ኣብ ኣዕራብ፡ ፍሉይ ልምዲ ኣቀራርባን ኣሰታትያን ኣለዎ። ኣብ ገለ ካብ’ዞም ገጠራት፡ ኣብ እዋን ሓዘን ቡን መራር ማለት ብዘይ ሽኮር’ያ ትቕረብ። ኣብ እዋን ሓጎስ ድማ ዝያዳ ሽኮር ይግበረላ።

ደቂ-ተባዕትዮን፡ ደቂ-ኣንስትዮን፡ ተነጻጺሎም’ዮም ኣብ’ቲ ብ’ደይዋንያ’ ወይ ‘መጃልስ ኣልሺባ’ ዝፍለጥን፡ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ገዛ ዘሎን ባህላዊ ሳሎን ብምእካብ ቡን ዝሰትዩ። ሽዑ፡ እቲ “ቃህወጂ” ዝበሃል ዝተኣመነሉ ወሓለ ሰራሒ ቡን ነታ ቡን የፍልሓ። ቃህወጂ ኣብ ማእከል እቶም እኩባት ደው ብምባል፡ ነታ ጀበና ብጸጋማይ ኢዱ፡ ነቲ ፍንጃል ድማ ኣብ የማናይ ኢዱ ሒዙ፡ ቀዳመይቲ ፍንጃል ባዕሉ ኣቐዲሙ ይሰትያ። ብድሕሪ’ዚ ነቶም ብዕድመን መዓርግን ክብ ዝበሉን ነቶም ኣጋይሽን ኣቐዲሙ ይቐድሓሎም። ኣስዒቡ ብየማን ጀሚሩ ንጸጋም እናቐጸለ ነቶም ዝተረፉ ይቐድሓሎም። ፍንጃል ክትቅበሎን፡ ክትመልሰሉን እንከለኻ፡ ግድን’ዩ ብየማናይ ኢድካ ክኸውን ዘለዎ። ቃህወጂ ድማ ኩሎም ክሳብ ዝሰትዩ ኮፍ ኣይብልን’ዩ። ንሱ፡ ንፍንጃልካ ክሳብ ፍርቂ’ምበር ክሳብ ጫፉ መሊኡ ኣይህበካን። ከም’ዚ እንተገይሩ ኣብ ልዕሊ እቲ ሰታዪ ዘለዎ ንዕቀት ይገልጽ ኣሎ ማለት’ዩ። ኣብ ጽምብላት ሓጎስ፡ ቃህወጂ ኣብ መንጎ ዕዱማት እናዞረ እንከሎ ኣፉ ከፊቱ “ቡን እንካ” ኣይብለካን’ዩ። ኣብ ክንዳኡ ነቲ ፈናጅል ነንሕድሕዱ ብምርጻም ዘይርብሽ ድምጺ ይገብር’ሞ፡ እቶም ኣብ መንጎ ዕላል ዝጸንሑ ነዚ ሰሚዖም ይቕበሉዎ። ኣብ ሓዘን ግን ዝኾነ ድምጺ ኣይግበርን’ዩ። ንሱ ስቕ ኢሉ ይኾልል፡ ንስኻ ምስ እትደሊ ኢድካ ሰዲድካ ፍንጃልካ ትወስድ። እቲ ቡን ዝሰቲ ሰብ “ኣብቂዐ” ክሳብ ዘይበለ፡ ወይ’ውን ነታ ኣብ ኢዱ ዘላ ፍንጃል እንተ ዘይኣንቀሳቒሱ እቲ ቃህወጂ ትም ኢሉ’ዩ ደጋጊሙ ዝቐድሓሉ። ቡን ምስ ዝቕደሓልካ፡ ኮፍ ኣባህላኻ ብምምሕያሽ ቅንዕ ኢልካ ነቲ ፍንጃል ክትቅበሎ ኣለካ። ቅድሚ ምስታይካ’ውን ነቲ ፍንጃል ንየማንን ጸጋምን ብምንቅስቓስ ቁሩብ ኣዝሒልካ ቀልጢፍካ ክትሰትዮ ኣለካ። ድሕሪ ቡን ማይ ምስታይ ነቲ ቃህወጂ ከም ምንዓቕ’ዩ ዝቑጸር።

ቅድም፡ ቀቢላታት ዓረብ፡ ኣብነታዊ ስራሕ ንዝፈጸመ ሰብ፡ ቡን ብምስታይ ዘለዎም ኣድናቖት ይገልጹሉ ነይሮም።ነቲ ግጉይ ድማ ካብ ቡን ምስታይ ይእግዱዎ ነይሮም። ኣብ እዋን ኲናት፡ መራሒ ናይ ቀቢላ ንሰራዊቱ ኣኪቡ ብዛዕባ እቲ ከሸግሮም ዝኽእል ጅግና ናይ’ታ መባእስቶም ዝዀነት ቀቢላ ምስ ገለጸሎም፡ “ናይ ኩስቶ ፍንጃል መን ክሰትያ’ዩ” ይብሎም። ብኻልእ ኣዘራርባ “መን ክገጥሞ’ዩ” ማለት’ዩ። ሓደ ካብ’ቶም ብትብዓቶም ዝልለዩ ብድድ ብምባል፡ “ባዕለይ ክሰትያ’የ” ይብል። ኣብ’ቲ ኲናት ድማ ኣንጻሩ ብምግጣም ወይ ይቐትሎ፡ ወይ ንሱ ኣብኡ ይተርፍ።

ቡን ምንጻግ፡ ንዋና ገዛ ኣብ መንጎ ደቂ ቀቢላኡ ስለ ዘንዕቖ፡ ዋና ገዛ ንኣጋይሹ ቡን ክሰትዩሉ ይንከባኸቦም’ዩ። ብዝኾነ ጉዳይ ናብ ደይዋንያ ወይ ‘መጃልስ ኣልሺባ’ ናይ ሓደ ዓረባዊ ምስ እትኸይድን፡ ነታ ዝተወሃበትካ ፍንጃል ከይሰተኻያ ስቕ ምስ እትብልን፡ ዋና ገዛ ብድድ ኢሉ “ነዛ ፍንጃል ስተያ ኣይተዋርደኒ” ይብለካ። ንስኻ ድማ፡ “ቅድም ጉዳየይ ፍትሓለይ” ትብሎ። “ነዛ ፍንጃል ስተያ’ምበር ዝሓተትካዮ ክፍጽመልካ’የ” ይብለካ’ሞ፡ ምስ ሰተኻያ ጉዳይካ ትሕብርን ፍታሕ ትረክብን። መብዛሕትኡ ጉዳያት ጋርን ካልእን በዚ ኣገባብ’ዩ መዓልቦ ዝረክብ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com