Wednesday , April 24 2024
Michael Weber IMAGEPOWER via www.imago-images.de/Imago/TT

ባርሰሎናን ሊቨርፑል ናብ ዝቅጽል ግጥም ሰጊረን!

ውድድር ቻምፒዮን ሊግ ኤውረጳ ትማሊ ምሸት ኣብ ዝቀጸለሉ፡ ባርሳን ሊቨርፑልን ኣብ ልዕሊ ሊዮንን ባየርሙኒክ ብምዕዋት ናብ ዝቕጽል ግጥማት ሓሊፈን።

ኣብ ቀዳማይ እግሪ 0 ብ 0 ዝተፈላለያ ክለባት ባየር ሙኒክን ሊቨርፑልን ኣብ ፈለማ 25 ደቓይቕ ጥንቓቐ ዝመልኦ ጸወታ ከካይድ ስለ ዝመረጻ፡ ከም ኣብ ግጥም ቀዳማይ እግሪ ብዙሕ ሰሓቢ ምንቕስቓስ ኣየንጸባረቓን። ኣብ መበል 26 ደቒቕ ግን፡ ሳድዮ ማነ፡ ቦትኡ ገዲፉ ንዝመጾን፡ ኣብ’ዚ ግጥም መበል 100 ናይ ሻምፕዮንስ ሊግ ጸወትኡ የካይድ ንዝነበረ ሓላዊ ልዳት ማንዌል ኖየር ኣህጺጹ፡ ንሊቨርፑል መሪሕነት ኣትሓዛ። ኣብ ኣንፊልድ ልዳት ሊቨርፑል ዘይከፈተት ሙኒክ፡ ክትሓልፍ እንተድኣ ኮይኑ፡ ክልተ ጐል ስለ ዘድልያ፡ ግድን ብምሉእ ሓይላ ከተጥቕዕ ኔርዋ። ኣብ መበል 39 ደቒቕ ዝጥቐስ ፈተነ ከየካየደት ዝወዓለት ሙኒክ ናብ ቅድሚት ኣብ ዝሓለፈትሉ፡ ሰርጄ ግናብሪ ናብ ሌቫንዶቭስኪ ዝለኣኻ ኩዕሶ፡ ተኸላኻላይ ሊቨርፑል ዮኤል ማቲፕ ኣብ ልዳቱ ሰኽተታ። ክልቲኤን ጋንታታት ድማ፡ ተመዓራረያ።

ብድሕሪ ዕረፍቲ ሊቨርፑል ብተኸላከላያ፡ ኔዘርላንዳዊ ፊርጂል ፋን ዲይክ ካብሚልነር ብመልክዕ ኩርናዕ ዝመጸቶ ኩዕሶ ዘሊሉ ብርእሱ ናብ ጐል ብምቕያር ንመሪሕነት ብምሓዝ ቀጺላ ጸወታ ክውዳእ 6 ደቓይቕ ክተርፎ ከሎ ብ መንገዲ ሳድዮ ማነ ሳልሰይቲ ጐል ረኺባ፡ 3 ብ 1 ብዝኾነ ውጽኢት ብምርታዕ ናብ ርብዒ ፍጻመ ሰጊራ።

ተስፋ ስጳንያውያን ዝኾነት ባርሴሎና ኣብ 17 ደቒቕ ብስዋረዝ ዝተረኽበት ፍጹም  ሊዮነል ሜሲ  ብምምዝጋብ መሪሕነት ብድሕሪ 13 ደቓይቕ ኮቲንዮ ካብ ስዋረዝ  ንዝመጸቶ ኩዕሶ፡ ብምምዝጋብ ናብ 2 ብ 0 ክብ ኣበሎ።

ሊዮን ኣብ መበል 58 ደቒቕ ካብ ኩርናዕ ተሃሪማ ኣብ ልዳት ባርሳ ንዘዕገርገረት ኩዕሶ፡ ሉቓስ ታውሳርት ብምምዝጋብ ናብ ታእምር ውጺኢት ኣማዕድያ እካ እንተነብረት ኣሰልጣኒ ባርሰሎና ቫልቨርደ ን ደምበለን ቱራምን ቀይሩ ብምእታው ዳግማይ ጸወታ ብምቑጽጻር ብመገዲ ሊዮነል ሜሲ ግን፡ ንክልተ ተኸላኸልቲ ሊዮን ምስ ሓላዊ ልዳቶም ንየማነ ጸጋም ኣሳዕሲዑ፡ ኣብ መበል 77 ደቒቕ እትነኣድ ጐል ብምምዝጋብ ንውጥረት ደገፍቲ ጋንትኡ ኣህድኦ። ጀራርድ ፒኲን ዑስማነ ደምበለን ሜሲ ዝኸሸነሎም ኩዕሶ ተጠቒሞም: ኣከታቲሎም 2 ጐላት ስለ ዝወሰኹ፡ ውጽኢት ጋንትኦም ናብ 5 ብ 1 ድሕሪ ምስብሑ: ጸወታ 5 ብ 1 ተደምዲሙ::


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com