Thursday , April 25 2024

ቤትፍርዲ ሽወደን ሚእቲ ሚልዮን ዶላር ንዘጠፋፍአ ቻይናዊ ናብ ዓዱ ምስትላም ትኣቢ!!

ነዚ ገበነኛ ናብ ዓዱ ምስትላም ምስ ውዕል ኣውሮጳን ሕጊ ምስትላምን ዝጋጮ ብምዃኑ ኣሕሊፈ ኣይህብን እየ ክብል ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ኣብ ውሳኔኡ ጸኒዑ’ሎ።

“ነዚ ቻይናዊ ናብ ዓዱ እንተስተሊምናዮ ብዙሕ ግፍዕን መከራን ክወርዶ እዩ፥ እዚ ድማ ምስ ውዕል ኣውሮጳን ሕጊ ምስትላምን ዝጋጮ ብምዃኑ ኣይንውዕሎን ኢና” ክብል ፒተር አስፕ ካብ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ገሊጹ። እዚ ኣብ ክሊ ዕድመ ሓሙሳታት ዝርከብ ሰብኣይ ኣብ ቻይና ካብቶም ኣዝዮም ብገበን ዝድለዩ ሰብኡት ካብቲ ዝሰርሓሉ ዝነበረ ኢንዱስትሪ ጥረምረ ክሳብ 100 ሚልዮን ዶላር ምጥፍፋኡ ይንገረሉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com