Saturday , April 20 2024

ቤት ፍርዲ ኢጣልያ ኣብ ገዛ ማሕዩር ንዝጸንሓ ካፔተን መርከብ ነጻ ክወጻ ወሲኑ

ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ማእከላይ ባሕሪ ዝድሓኑ ስደተኛታት ጽዒና ኣብ ላምፐዱሳ ኢጣልያ ዝኣተወት ካፒቴን ናይ ሓንቲ መርከብ ዝኾነት ጀርመናዊት ካሮላ ራኬት ነፃ ክትወጽእ ተወሲኑ።

ፖሊስ ኢጣሊያ ካሮላ ራኬት 40 ካብ ማእከላይ ባሕሪ ዝደሓኑ ስደተኛታት ብምጽዓን ንሕጊ ጸረ ፍልሰት ኢጣሊያ ብምጥሓስ ነታ መርከብ ኣብ ወደብ ብምዕሻጋ ፖሊስ ኢጣሊያ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ናይ ገዛ ማእስርቲ ክትጸንሕ ምግባሩ ይዝከር።

ዳኛ ኣለሳንድራ ቬላ ግን ካፒቴን ራኬት “ህይወት ን ምድሓን ግቡኣ ስርሕ እያ ዓሚማ ብምባል’’ ኢጣሊያ ንህይወት ንዘድሕና መራኽብ ክትኽልክል ሕጋዊ ኣይኮነን ክብላ ውሳነ ሂበን ኣለዋ።

እቶም ስደተኛታት ንኽልተ ሰሙናት ኣብ ማያት ማእከላይ ባሕሪ ብዘይሓጋዚ ተቐርቂሮም ከምዝነበሩ ዝፍለጥ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com