Thursday , April 18 2024
Johan Nilsson/TT

ብመሰረት በዓል መዚ ማሕበራዊ ድሕነት ሕቶ ዕረፍቲ ስራሕ ደቂተባዕትዮ ወሲኹ::

ብመሰረት ኣሃዛት ንዋይ ማሕበራዊ ድሕነት ሕቶ ዕረፍቲ ስራሕ ደቀንስትዮ 70.7 ሚእታዊት ናይ ደቂተባዕትዮ ድማ 29.3 ሚእታዊት ምንባሩ እዚ ማለት ምስ ኣብ 2017 ዝነበረ ናይ ደቂተባዕትዮ ቊጽሪ ብምንጽጻር ናይ 1.4 ሚእታዊት ወሰኽ ምርኣዩ’ውን ተጸብጺቡ’ሎ::

ብማእከላይ ገምጋም ደቀንስትዮ 82.7 ሚእታዊት ናይ ሕርሲን ጥንሲን ፍቓድ ዕረፍቲ ክወስዳ እንከለዋ ናይ ደቂ ተባዕትዮ 40.5 ሚእታዊት መዓልታት ምንባሩ ተመዝጊቡ’ሎ።

ወለዲ ኣመት ደቆም ንምግባር ኣብ ቤቶም ኣብ ዝጸንሑለን መዓልታት ካብ ንዋይ ማሕበራዊ መድሕን ወለዲ (foräldrapenning) ክወስዱ ከም ዝጽበዩ ይፍለጥ::

ናይቲ ንዋይ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ገምጋም ከም ዘመልክቶ ልምዓት ብተመሳሳሊ ናህሪ እንተኸይዱ ምዕሩይ ናይ ወለዲ ካሕሳ ንምምጻእ ክሳብ 2030 ክንጽበ ክንግደድ ንኽእል ኢና።

ናይ ወለዲ ናይ ዕረፍቲ ሕቶ ካብ ዞባ ናብ ዞባ ኣዝዩ ዝፈላለ ምዃኑ ቀጺሉ’ሎ። ዝሓለፈ ዓመት ኣብ Dorotea ናይ ሰብኡትን ኣንስትን ማዕረ ኮይኑ ናይ ወለዲ ሕቶ ዕረፍቲ ምውሳኽ ኣርእዩ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com