Friday , April 26 2024

ብምኽንያት ወሊድ (mammaledig) ዘዕርፋ ኣዴታት ናይ ቛንቛ ክእለተን ንክመሓየሽ መንግስቲ ሓዱሽ ፕሮግራም ሰሪዑ።

ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝተወልዳ ደቀንስትዮ ስራሕ ምርካብ ከም ዝሽገርና እዚ ድማ ምኽንያቱ እኹል ምልከት ቛንቛ ሽውደን ስለዘይብለን እዩ ተባሂሉ። እዚ ሽግር ብፍላይ ነተን ኣብ ቤተን ኮይነን ቁልዑ ዘዕብያ ደቀንስትዮ ዘመልክት ምዃኑ’ውን ተገሊጹ። መንግስቲ ነዚ ክቕይሮ መዲቡ ምህላዉ ተገሊጹ’ሎ ክትብል ሚኒስተር ማግደሊን ኣንደርሰን ባኣጽንኦት ሓቢራ’ላ።

“ነዚ ቛንቛ ብግቡእ ከይተመሃሮኦ ክተርፋ ይኽእላ እየን” ኢላ። ካብ ዝመጽእ ዓመት ጀሚሩ ደቀ ኣንስትዮ ናይ ጥንሲን ሕርሲን ዕረፍቲ ካብ ዝወስዳሉ ግዜ ጀሚረን ቛንቛ ሽወደን ክመሃራ ክኽእላ ኣለወን። በዚ ኣገባብ ብዙሓት ኣንስቲ ናብ ስራሕ ክዋፈራ ትጽቢት ምህላዉ’ውን ተገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com