Tuesday , April 23 2024

ብርኪታት ኤሪክሰን ትጽቢት ዝተገብረሉ ኣታዊ ድሕሪ ምንቊክልቋሉ ብ 8% ወዲቑ ተባሂሉ።

ብርኪ ስቶክሆልም ብምኽንያት ድኹም ፋይናንሳዊ ውጽኢታትን ዝተሓተ ኣታዊን ምንቊልቋሉ ይግለጽ ኣሎ።፡ እዚ ብርኪ እቲ ኲባንያ ኣብ ዝሓለፈ ርብዓዊ ዓመት ኣታዊኣኣኡ 5.7 ቢልዮን ክሮማ ምዃኑ ድሕሪ ምፍላጡ እዩ እዚ ልዕሊ 8% ምውዳቕ ኣጋጢምዎ ዘሎ ተባሂሉ። ኣቐዲሙ ዝነበረ ትጽቢት ኣታዊ ክሳብ 6.9 ቢልዮን ክሮና ምንባሩን እዚ ውን ምስ ናይ ዝሓለፈ ኣታዊ ርብዓዊ ዓመት እንክነጻጸር ዝወሓደ ምንባሩ እዩ ተገሊጹ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ኣብ ንግዳዊ ንጥፈታቱ ብፍላይ ድማ ኣብ ዕዳጋታት ኣመሪካ ምዝሓል ከርኢ ብምጽንሑ እዩ ተባሂሉ’ሎ። “ልዕሊ ዝኾነ ኣብ ዝሓለፈ ርብዓዊ ዓመት ውሱን ወሰኽ ፋይናንስ ኢና ተዓዚብና።

እዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ መዐቀኒ ተወዳዳርነትና ኮይኑ ካብ 2017 ጀሚርና ኣብ ዝሓዝናዮ ስትራቴጂ ምትኳርና ክስመረሉ ዝግባእ እዩ” ክብል ባርጀ ኤኮልም ንኣገልግሎት ዜና ቲቲ ሓቢሩ’ሎ።፡ ናይቲ ኲባንያ ሽያጥ 66.3 ቢልዮን ክሮና ኮይኑ ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ሽያጥ እንክነጻጸር 63.8 ቢልዮን ክሮና ምብጽሑ ተገሊጹ። መሸጣ ኤሪክሰን ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ናብ 17.4 ቢልዮን ክሮና ምንቊልቋሉን እዚ ድማ ምስ ናይ ናይ ዓሚ እንክነጻጸር ብ 600 ሚልዮን ክሮና ዝወሓደ ምንባሩን ተመልኪቱ። ኣብ ኣውሮጳን ላቲን ኣመሪካን ከኣ ካብ ናይ ዓሚ 18.2 ቢልዮን ክሮና ናብ 17.5 ቢልዮን ክሮና ምንካዩ ተሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com