Friday , April 19 2024

ብሰንኪ ምንሽርታት ዘጋጠመ ሓደጋ መኪና፡ 6 ሰባት ቆሲሎም

ኣብ ሰሜን ሽወደን፡ ኪሮና፡ ሸውዓተ ሰባት ጽዒና እትጓዓዝ ዝነበረት መኪና፡ ብሰንኪ በረድ ዘጋጠማ ምንሽርታት፡ ሓደጋ ከምዝገበረት፡ ኣብ መትና ዝነበሩ 6 ሰባት ከምዝቖሰሉን ናብ ሆስፒታል ከምዝተወስዱን SVT ሓቢሩ።

እቲ ዘጋጠመ ሓደጋ፡ ብጣዕሚ ሓደገኛ ምንባሩን እታ መኪና ድሕሪ ምንሽርታታ፡ ካብ ጽርግያ ወጺኣ ምስቲ ኣብ ገምገም ጽርግያ ዝነበረ ኣኻውሕ ከምተጋጨወት ሓላፊ ኣገልግሎት መድሕን፡ ኦልፍ ባክማን፡ ሓቢሩ።

ኣብቲ ቦታ ሓደጋ፡ ኣገልግሎት መድሕን፡ ፖሊስ ትራፊክ፡ ኣምቡላንስን ሄሊኮፕተርን እኳ እንተተረኽቡ፡ ብሰንኪ ሕማቕ ኩነታት ኣየር፡ ናብ ሆስፒታል፡ ብሄሊኮፕተር ክውሰዱ ብዘይ ምኽኣል፡ ብኣምቡላንስ ጌሮም ናብ ሕክምና ከምተወስዱ ተፈሊጡ።

በቲ ከባቢ ሓደጋ ዝነበረ ምንቅስቓስ ደው ከምዝበለን፡ ምምሕዳር’ቲ ከባቢ፡ ነቲ ኣብ ጽርግያ ዝነበረ በረድ ይጸርግ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ቤት ጽሕፈት ትራፊክ፡ ንኩነታት እቲ ጽርግያ ብዝምልከት፡ ብሰንኪ ወሪዱ ዘሎ በረድ፡ ሓደገኛን ዘንሸራትትን ኮይኑ ኣሎ ክብል ኣጠንቂቑ።  


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com