Tuesday , April 16 2024

ብስለት ማለት . . .

ብስለት ማለት፡ ንንኣሽቱ ዊንታታትን ቃሕታታትን ክንጻወር ምኽኣል፡ ቀጥታዊ ዓወትን ናእዳን ክመጽኣና ዘይምጽባይን ጽባሕ ክንርእዮ ንእንደሊ ሎሚ ኣበርቲዕና ክንሰርሕ ከም ዘለና ምፍላጥን እዩ። ብስለት፡ ጽቡቕ ሚዛን ዘለዎ ጽንዓትን መትከልን እዩ።

 እዚ ማለት፡ ንዕላማታትና ብግቡእ ምፍላጥ፡ ንዝሓንጸጽናዮም ዕላማታት፡ ንኹሉ መሰናኽላት ሰጊርና ናብ ሸቶ ንምብጻሕ ከይተሓለልናምስራሕ ማለት እዩ። ነዚ ንምግባር እነጥርዮ ክእለትን እነዋህልሎ ፍልጠትን ድማ’ዩ ብስለት። እወ! ጉልበትናን ዓቕምናን ብዘይጠቅም ከነጥፍእ ከምዘይብልና ምፍላጥ።

ብስለት፡ ኣብ ግዜ ግርጭታትን ተኣፈፍቲ ኩነታትን ንሕርቃንና ክንቆጻጸር ምኽኣል ማለት እዩ። ኣብ ክንዲ ምዕዝምዛም፡ ዝተፈጥረ ጸገም ንምፍታሕ፡ ብህድኣትን ክፉት ኣእምሮን ምብጋስ። እዚ ማለት ከኣ፡ እንሓንሳብ ካብ ቁጽጽርና ወጻኢ ዝኾኑ ነገራት ከም ዘለዉ ፈሊጥና፡ ሸለል ክንብል ምኽኣል ማለት እዩ።ብስለት ማለት፡ ትሕትና ምህላው ማለት እዩ። እቲ ብሱል ሰብ ዝበሃል፡ ጌጋኡ ኣሚኑ ዝእረም፡ ንባዶ ኩርዓት፡ ትዕቢትን ጃህራን ኣወጊዱ ክብረቱ ዝሕሉ እዩ።

ብስለት፡ ሓላፍነታዊን እሙንን ምዃን እዩ። ብሱል ሰብ፡ ኩሉ ግዜ ንቓላቱ ብግብሪ ዘሰኒ እዩ። ቃሉ ዘይዓጽፍን ኩሉ ሰብ ኣብ ዙርያኡ ዝዓስልን ሰብ እዩ።ብስለት፡ ምትዕጽጻፍን ሕድገት ምግባርን እዩ። ኩላትና፡ ዝተፈላለየ ባህሪ፡ ደረጃ ፍልጠትን ተመኵሮን ከም ዘለና ብምርዳእ፡ ከከም ኩነታቱ ምኻድን ምውህሃድን እዩ – ብስለት። እቲ ብሱል ዝበሃል ሰብ’ምበኣር፡ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ጉዕዞ ህይወት፡ ትምህርትን ነብሰ-ምምዕባልን ኣገዳሲ ምዃኑ ፈሊጡ፡ ወትሩ ዝመሃርን ነብሱ ዘማዕብልን እዩ።

ብስለት፡ ምድግጋፍን ምክፋልን’ምበር፡ ምውድዳር ኣይኮነን።ብስለት፡ ምስ ዝኾነ ነገር ዘይቅየር ውህደት ምህላው ማለት እዩ። እዚ ማለት ድማ፡ ምስ ገዛእ-ርእስና፡ ካልኦት ሰባትን ተፈጥሮን ዝተወሃሃደ ዝምድና ክንፈጥር ምኽኣል እዩ።ብስለት ማለት፡ ብዛዕባ ሕሉፍ ዘይምጥዓስ፡ ብዛዕባ መጻኢ ዘይምጭናቕን ኣብ ሕጂ ምንባርን ማለት እዩ። እዚ ኸኣ፡ ኣብ ኢድና ንዘሎ ውሑድ ነገር ከነድንቕን ንህይወት በቲ ዝተሓተ ደረጃ ብሕጕስ መንፈስ ክንነብራን እዩ ዘኽእለና።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com