Thursday , April 25 2024

ብናይ ግብረስጋ ተጠርጢሩ እተኸሰሰ ሓኪም

ገበን TT

ሓደ ኣብዚ ሃገር ኣብ እተፈላለየ ናይ ሕክምና ሞያነት ከምኡውን ኣብ ናይ ዲጂታል ኣገልግሎት ሕክምና ዚሰርሕ ዝነበረ 29 ዓመት ዝዕድመኡ ሓኪም ዝሓለፈ ሮቡዕ ኣብ ናይ ስቶክሆልም ወረዳ ቤትፍርዲ ተኸሲሱ ኣሎ። እዚ ሰብዚ ንነዊሕ ግዜ ምስ ህጻናትን ዓበይትን ጾታዊ ገበን ፈጺሙ እዩ።

እቲ ገበን ኣብ መንጎ 2015 ከምኡውን 2017 ኪፍጸም ከሎ፡ እቶም ግዳያት ድማ ኩሉኹሎም 52 ህጻናትን 18 ዓበይትን እዮም። ኣብቲ ክሲ ድማ ኣንጻር ህጻናት እተፈጸመ ጾታዊ ዓመጽን ጥራሕካ ዄንካ ዚግበር ዘይሕጋዊ ነገራትን ምስኣልን ይጥርነፍ።

እቲ ጥርጡር፡ ነዚ ተግባራትዚ ዝፈጸሞ ኣብ ከም ኸለፍተዮ ኾቭደ ዮንጆፒንግን ስቶክሆልምን ከምኡውን ብመገዲ እቲ ብላፕቶፕ ዚሰርሕ ክሪ እተባህለ ኣገልግሎት ከም ሓኪም ኮይኑ እናሰርሐ ከሎ እዩ።

ፖሊስ ብዛዕባዚ ሰብ ምስ ተሓበሩ፡ ክሪ እተባህለ ኣገልግሎት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ታሕሳስ ብሓኸይም ተዓጽዩ። ለክስ ማሪያ ነዚ ሰብዚ ብመሰረት እቲ ምኽንያት ዘይብሉ ን 13 ሕጻናት ብቪደዮ እተኻየደ ሕክምናዊ ምርመራ ከሲሳቶ።

” እዚ ብኢንተርነት ዚካየድ ናይ ሕክምና ሓድሽ ምዕባለ ዘይተጸበናዮ ሓድሽ ናይ ገበን ፍጻመታት ኣኸቲሉ። በዚ መገድዚ ነቲ ከም ሓኪም ዚህልወካ እምነት ንረብሓኻ ክትጥቀመሉ ምኽኣልን ንጾታዊ ርክብ ድማ ከተውዕሎን ምድላይ ፍሉይን ኣስጋእን ብምዃኑ ብዛዕባ ናይቶም ኣገልገልቲ ህዝቢ ሓላፍነትን ድሕረባይታን ሕቶ ከተልዕል ይግድደካ” ይብል ፍረድሪክ ቪክማን፡ ናይቶም ብመገዲ ክሪ እተጎድኡ ተሓላቒ፡ ኣብቲ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com