Friday , April 26 2024

ብዛዕባ ህይወትን ሓጐስን

ሓጐስ እንተተባሂሉ፡ ማዕሪኡ ሕጉስ ናይ ምዃን ባህጊ’ዩ ዝዝከር። ሓጐስ፡ ምሕጓስ፡ ሕጉስ ምዃን ማለት’ዩ። ልክዕ ከም ካልእ ባህግታት ግና፡ ኣብ ህይወት መጠን ዝብህጎ ሓጐስ ዝረኸበ ውሑድ’ዩ። እዚ ግን፡ ናይ ብሓቂ ዘሐጕስ ስለ ዘይረኸብና ዘይኰነ፡ ብመጠን ኣብ ህይወት ዘለና ትጽቢታትን እንረኽቦ ውጽኢትን ግበረ-መልስን’ዩ።

ኣብ እዋን ህጻንነት ዝነበረና ትጽቢት ምስ ዓበና ኣይንረኽቦን ኢና። ቈልዓ እንከለና፡ ዘሐጕሱና ዝነበሩ ነገራት ምስ ዓበና ተቐይሮም ይጸንሑና ወይ ኣይንግደሰሎምን። ኣብቲ ድሌታትና ብንጹር ዝፈለጥናሉ እዋን’ውንከይተረፈ፡ ብምንታይ ንሕጐስን ደስታ ይስምዓናን ምፍላጥ ንስእን። ኣብ ክንዲ እናተሓጐስና፡ ክንሕጐስ እናተተስፈና ንነብር። ‘ጽባሕ ኣብ ዝደልዮ ምስ በጻሕኩ፡ ገንዘብ ምስ ረኸብኩ፡ ምስ ተዓወትኩ፡ ወዘተ. እናበልና ነቲ ዘይተጨበጠ ዕላማና ምስ ጨበጥናዮ ጥራይ ደስታን ፍስሃን ከም እንጽምብል ንነብስና መብጽዓ ንኣትወላ። ከም ኣብነት፡ ማርያና ተወላዲት ቺካጎ፡ ንኹሉ ሓጐሳ ኣብ መጻኢ ኣንቢራቶ ትጐዓዝ ነይራ። ናይ መጀመርታ ሓጐሳ፡ ትምህርቲ ምስ ወድአት ክትበጽሖ’ያ ትሓስብ ነይራ። ትምህርቲ ምስ ወድአት ድማ፡ ካልእ ግዜ ሰሌዳ ሓንጺጻ። ‘ምስ ተመርዓኹን ሓዳረይ ምስ ወጻኹን’የ ዝሕጐስ’ ኢላ ንነብሳ ነጊራታ። ንዕኡ’ውን በጺሓቶ። ሽዑ’ውን ሓጐስ ኣይረኸበትን። ‘ምስ ወለድኩ’የ’ ዝሕጐስ’ ኢላ ሕጂ’ውን መደባ ኣሰጋገረቶ። ሕጂ’ውን ደቃ ክትኣልን ዝጐደሎም ነገራት ክትምልእን፡ ሓጐስ ንምርካብ ይኹንንምስትምቓር ኣይከኣለትን። ሕጂ’ውን ‘ደቀይ ምስ ጐበዙ’የ ክሕጐስ’ ዝብል መደብ ሰርዐት። እንተዀነ፡ ሕጂ’ውን ውጥና ክዉን ክኸውን ኣይከኣለን። ደቃ ጐቢዞም፡ ትምህርቶም ዛዚሞም፡ ተመርዕዮም፡ ወሊዶም ወዘተ. መቐጸልታ ሕልምታታ ኰይኑ። ሸምጊላ፡ ከም ትጽቢታ ግን ሓጐስ ኣይረኸበታን። ነዚ ኩሉ ዓመታት ናይ መደባታ ምስግጋር ምስ ኣስተብሃለት’ያ ድማ፡ ‘ሓጐስ እንታይ’ዩ?’ ዝብል ኣምር ኣብ ኣእምሮኣ ዝተቐልቀለ። ነዚ ሕቶ ዘዕግብ መልሲ ዝረኸበትሉ። ሓጐስ ክትጽበ ዘሕለፈቶ ግዜ ተመሊሳ፡ ክትሕጐሰሉ ከም ዘይትኽእል ምዃና ምስ በርሃላን ፈለጠትን’ያ፡ ኣብ ህይወት ሓጐስ፡ እቲ ጉዕዞ ምዃኑ ኣስተብሂላ።

ኣብ ህይወት፡ ብኸመይ ሓጐስና ከነዐቢ ከም እንኽእል ዘይሓስብ ሰብ ኣይህሉን። ነቲ ኣብ ዕለታዊ ህይወትና ዝገጥመና፡ ከም ሕርቃን፡ ወጥሪ፡ ጭንቀት፡ ትሑት ነብሰ-ግምትን ካልእ ኣሉታዊ ስነ-ኣእምሮኣዊ ኩነትንእንብድሃሉ መዓልቲ ንጽበ። ነቲ ዘይትስፉው ኩነታት ስዒርና፡ ኣብ ህይወት ብዓወት ምቕጻል ንሰርሕ። ነዚ ሓጐስ ዝመልኦ ህይወት ብኸመይን መዓስን ንኸዶ ድማ፡ መንገዲ ክንሕዝ ንደሊ፡ ካብ ሕሉፍ ጉዕዞናን ጌጋታትናን እናተማሃርና።

ሓጐስ ኣብ ኢድና እያ ዘላ። ስለዚ፡ ንሓጐስ ምንዳይ ኣየድልየናን’ዩ። ነዚ ንምብጻሕ ዝተፈላለየ ሓገዛት ነናድን ንረክብን ኢና። ካብ ክኢላታት ስነኣእምሮን ሕክምናን፡ ካብ ተመኵሮ ውልቀ-ሰባትን ገዛእ ተመኵሮናን እንረኽቦ ርድኢታት ድማ፡ ገለ ካብ’ቶም ኣብ ህይወትን ሓጐስን ዘለና ኣጠማምታ ዝሕግዙና እዮም። ብፍላይ ድማ፡ ኣብ ብዙሓት ነገራት ዘለና ኣጠማምታ፡ ዝያዳ ሕጉሳት ንኽንከውን ዝለዓለ ኣበርክቶ ኣለዎ። ንነገራት ብእወታዊ መንገዲ ክንርእዮምን ክንዕዘቦምን ካብ ዝጀመርናሉ ህሞትን፡ ጥርጣረታት ወጊድ ካብ ዝበልናሎም ካልኢትን፡ ህይወት እቲ እትውንኖ ጣዕሚ ሓጐስ ከም መንጫዕጫዕታ ናባና ክትፍርሽሖ ድሕር ኣይክትብልን እያ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com