Wednesday , May 8 2024

ብዛዕባ ኔልሰን ማንዴላ

ኔልሰን ማንዴላ ፀለምቲ ደቡብ ኣፍሪካዊያን ኣብ ዝነበሩላ ኣብ ትራንስከይ 18 ሓምለ 1918 ኣ/ፈ ተወሊዶም።

ከም መንእሰይ ንቑሕ ተሳታፋይ ምንቅስቓስ ፀረ-ኣፓርታይድ ብምዃን ኣብ 1940ታት ናብ ናይ ኣፍሪካ ሃገራዊ ኮንግረስ /ANC/ ብምእታው መራሒ ክንፊ መናእሰይ እቲ ምንቅስቓስ ኮይኖም።

ማንዴላ ምስ ናይ ANC ብፃዮም ኦሊቨር ታምቦ ናብ ኮሌጅ ብምእታው ብናይ ሕጊ ትምህርቲ ተመሪቖም፤ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ናይ መጀመሪያ ዝኾነ ጥብቅና ሕጊ ኣጣይሾም።እዚ ኣብ ጆህናስበርግ ዝተኸፈተ ትካል ጥብቅና ንፀለምቲ ነፃ ኣገልግሎት ወይ ብዝተሓተ ኽፍሊት ናይ ሕጊ ምኽሪ ይህብ ነይሩ።

መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪካ ኣብ 1960 ኣ/ፈ ንANC ብሕጊ እንተኣገዶ’ውን እቲ ውድብ ብሕቡእ ምንቅስቓሱ ቐፂሉ።ማንዴላ ብቐፃልነት ካብ ፖሊስ እናተሓብኡ፣ካብ ካልአይቲ ብዓልቲ ቤቶም ዊኒ ከይፈተው ተፈሊዮም ክነብሩ ተገዲዶም።ዊኒ’ውን ኣብ ምንቅስቓስ ፀረ-ኣፓርታይድ ንቕሕቲ ተሳታፊት ነይረን።

ANC ስርዓት ኣገዛዝኣ ኣፓርታይድ ንኸብቅዕ ብርቱዕ ስጉምቲ ክውሰድ ኣለዎ ኢሉ ድሕሪ ምውሳኑ ማንዴላ ኣብ ልዕሊ ወታደራዊ ሓይሊ ደቡብ ኣፍሪካን ዒላማታት መንግስትን ናይ ዘጥቅዕ ናይቲ ውድብ ሓድሽ ወታደራዊ ክንፊ መራሒ ኮይኖም።

ኣብ 1962 ኣ/ፈ ኔልሰን ማንዴላ ኣንፃር መንግስቲ ፈፂሞምዎ ብዝተብሃለ ተግባር ኣብ ቀይዲ ምስውዓሉ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም።ንሶም ግን ህዝቢ ኣፍሪካ ነፃ ንክኸውን ዝገበርኩዎ ቓልሲ እዩ ክብሉ ንምንቅስቓሶም ተማጎቶም።ድሕሪ ናይ ክልተ ዓመታት ከይዲ ፍርዲ ዕድመ ልክዕ ተፈሪዱዎም፣ኣብ ወሰን ማይ ኬፕ ታውን ኣብ ዝርከብ ዘስካሕክሕ ቤት ማእሰርቲ ደሴት ሮቢን ን18 ዓመታት ተኣሲሮም።ኣብ 1989 ኣ/ፈ ንናይ ANC ዕጥቓዊ ቓልሲ እንተድኣ ኣዊግዞም ካብ ማእሰርቲ ክፍትሑ ብመንግስቲ ንዝቐረበሎም ፃውዒት ነፂጎምዎ፤ ኔልሰን ማንዴላ።

እንተኾነ ብፕሬዝዳንት ፍረደሪክ ዲ ክለርክ ዝምራሕ ናይ ፀዓዱ መንግስቲ ኩሎም ፖለቲካዊ ፓርትታት ሕጋዊ ንክኾኑ ኣብዝፈቐደሉን መብዛሕቲኦም ፓለቲካዊ እሱራት ኣብዝፈትሕሉን እዋን ኣብ 1990 ኣ/ፈ ንሶም እውን ነፃ ወፂኦም።27 ዓመታት ኣብ ማእሰርቲ ፀኒሖም።
ኣብ 1991 ኣ/ፈ ማንዴላ ፕሬዝዳንት ANC ብምዃን ተመሪፆም።ኣብ 1994 ኣ/ፈ ኣብታ ሃገር ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ ANC ምስ ስዓረ ኣብ መበል 75 ዕድሚኦም ናይታ ሃገር ፈለማይ ፀሊም ፕሬዝዳንት ብምዃን ተመሪፆም።

ከምዚ ድማ በሉ።’’እዛ ውቅብቲ መሬት ፈፂማ፣ፈፂማ፣ፈፂማ ዳግም እቲ ሓደ ነቲ ኻሊእ ዝጭቁነላ ኣይክትኸውንን እያ።’’

ሄርማን ኮሀን ኣብ ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዩናትድ ስቴትስ ተሓባባሪ ምንስቴር ጉዳያት ኣፍሪካ ብምዃን ካብ 1989 ክሳብ 1991 ኣ/ፈ ዘገልገሉ እዮም።መብዛሕቲኦም ፀለምቲ ደቡብ ኣፍሪካዊያን መነባብርኦም ከመሓይሽ ዝኽእል ሰብ ማንዴላ ክኸውን ይኽእል እዩ ክብሉ ተስፋ ኣሕዲሮም ይብሉ ኮሀን።

ፕሬዝዳንት ማንዴላ ሓደ ናይ ስልጣን ዘመን ጥራሕ ከምዘገልግሉ ቃል ኣቲዮም።ማንዴላ ፕሬዝዳንት ኣብ ዝነበሩለን ሓሙሽተ ዓመታት ደቡብ ኣፍሪካ ንሃገራዊ ዕርቂ ዝሓዘትሉ ኣገብባ ዓለምለኸ ኽብርን ናእዳን ረኺቦም።

ማንዴላ ብህይወት ኣብዝነበርሉ እዋን ኣማእቲ ሽልማታት ተሸሊሞም እዮም።ኣብ 1993 ኣ/ፈ እውን ኣብ ሓደ እዋን ፀላኢኦም ምስ ዝነበሩ ፕሬዝዳንት ዲ ክለርክ ናይ ሰላም ኖቤል ብሓባር ተሸላሚ ኮይኖም።ኣብ ከይዲ ሰላም ደቡብ ኣፍሪካ ብዘበርከትዎ ኣስተዋፅኦ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com