Thursday , March 28 2024

ብዛዕባ ፓርቱናን

ፓርቱናን ኣብ ከተማ ኣቴንስ-ግሪኽ ዝርከብ ጥንታዊ ቤተ-መቕደስ እዩ። እዚ ቤተ-መቕደስ ኣብ ኣክሮፖሊስ ተባሂሉ ዝጽዋዕ እምባ ተደኲኑ ዝርከብ ኰይኑ ንክብሪ ኣቴና ተባሂላ እትፍለጥ ጣኦት ዝተገብረ እዩ። ከም ዝበለጸ መግለጺ ቅዲ ህንጻ ጥንታዊት ግሪኽ ከኣ ይጥመት።

ፓርቱናን ብኢክቲነስን ካሊክራተስን ተባሂሎም ዝፍለጡ ግሪኻውያን እዩ ተነዲፉ። ካብ 447- 432 ቅ.ል.ክ ኣብ ዝነበረ እዋን ከኣ ተሃኒጹ። ግሪኻዊ ቀራጺ ፊዲያስ ከኣ ነቲ መመልክዒ ቅርጻ’ቲ ህንጻ ሰሪሕዎ። ፓርቱናን ኣብ 500 ድ.ል.ክ ከም ቤተ-ክርስትያን ኰይኑ ኣገልጊሉ። ኣብ 1400ታት ምስ ምምጻእ ቱርካውያን ግን መስጊድ ኰይኑ ጸንሐ።

ኣብ 1687 ቨኒሳውያን ንኣቴንስ ክቆጻጸሩ ኣብ ዝፈተኑሉ፡ ኣብቲ ህንጻ ክብድ ዝበለ ዕንወት ወሪዱ እዩ። እቲ ምኽንያት ከኣ ኣብቲ እዋን፡ ፓርቱናን ብቱርካውያን ናብ መኽዘን ባሩድ ተቐይሩ ስለዝነበረ እዩ። ብተወሳኺ፡ ብሰንኪ ነትጒ ባሩድ ማእከላይ ክፋል ፓርቱናን’ውን ዓነወ። እንተዀነ፡ ድሕሪ ሓያለ እዋን ገለ ካብቲ ዝተሰባበረ ክፋል ናይ ፓርቱናን ናብ ኣብ ኣቴንስ ዝርከብ ቤተ መዘክር ኣክሮፖሊስ ገዓዘ። ዝተረፈ ከኣ ናብ ቤተ-መዘከር ለንደን ተወስደ።

ፓርቱናን ምሉእ ብምሉእ ካብ እምባ ፐንተሊከስ ብዝርከብ እምነ-በረድ እዩ ተሰሪሑ። እዚ እምባ ካብ ኣቴንስ 18 ኪ.ሜ ርሒቑ ይርከብ። እዚ ቤተ-መቕደስ ርቡዕ ኩርናዓዊ ቅርጺ ዘለዎ ኰይኑ፡ ንውሓቱ 72 ሜተር፡ ከምኡ’ውን ግፍሑ 34 ሜተር ይበጽሕ። ኣብ ማእከላይ ክፋሉ ሴላ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ክፉት ቦታ ኣለዎ። ሴላ ክልተ ክፍሊ ይውንን ነይሩ። ኣብ ሓደ ካብቲ ክፍሉ ሓደ ግዙፍ ናይ ወርቅን ስኒ ሓርማዝን ምስሊ ኣቴና ነበረ። እቲ ሓደ ክፍሊ ከኣ ከም ቤተ ግምጃ ኰይኑ የገልግል ነይሩ። ቅድሚ’ዚ ሴላ ተባሂሉ ዝፍለጥ ክፋል ምዕናዉ 46 ዝቑጽሮም ብግሪኻዊ ቅዲ ዝተሰርሑ ዓንድታት ከቢቦሞ ይረኣዩ ነበሩ። ብተወሳኺ :ፓርቱናን ከምዚ ሕጂ ከይኮነ ብብሩህ ሕብሪ ብዝተቐብኡ ቅርጻታት ዘጌጸ እዩ ነይሩ።እቲ ኣብ ልዕሊ ምብራቓዊ ወገን ገበላ’ቲ ህንጻ ዝርከብ ስሉስ ኩርናዓዊ ቅርጺ ምውላድ ናይ ኣቴና ብዘርኢ ስእሊ ወቂቡ ነይሩ። እቲ ብምዕራባዊ ሸነኽ ዝርከብ ከኣ ስእሊ ውግእ ኣብ መንጎ ኣቴናን ጣኦት ባሕሪ ፑስይዱንን ነበሮ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን እዚ ከይዓነወ ተሪፉ ዘሎ ክፋል ታሪኻዊ ህንጻ ቤተ-መቕደስ ፓርቱናን መስሕብ በጻሕቲ ሃገርን ተመራመርቲ ታሪኽን ኰይኑ ንግሪኽ ከም ምንጪ ኣታዊ ኣገዳሲ ተራ ይጻወት ኣሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com