Saturday , April 20 2024
Jonas Ekströmer/TT

ብጉዳይ ገበን ሓደ ሓላፊ ደው ዝበለ ናይ ስነ-ጽሑፍ ሽልማት ኖበል

እቲ ንሽወደናዊ ኣካዳሚ ኣብ ክልተ ዝገምዐን ብሰንኩ ድማ እቲ በዚ ትካል በብዓመቱ ዝወሃብ ናይ ስነ-ጽሑፍ ሽልማት ኖበል ደዉ ከም ዝብል ዝገበረን መስርሕ ይግባይ ሎሚ ሰኑይ 12 ሕዳር 2018 ጀሚሩ።

እቲ ብገበን ምዕማጽ ዝተፈርደን “ምስሊ ባህሊ” ብዝብል መጸውዒ ዝፍለጥን ሰብኣይ መራሒ ናይቲ ምስ ሽወደናዊ ኣካደሚ ምትእስሳር ዘለዎ ባህላዊ መድረኽ እዩ ነይሩ። ኣባል ናይቲ ኣካደሚ ዝኾነት በዓልቲ ቤቱ ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪባ ብዛዕባ ሞራላዊ ስብእናኡ ምስክርነታ ንኽትህብ ክትጽዋዕ ምዃና ኣከራኻሪ ኮይኑ ኣሎ።

ሽወደን ልክዕ ከም ኣሜሪካ ኣብ ክንዲ ብደያኑ፡ ቤት ፍርዲ ብዝመርጾም ሰባት ዝካየድ መስርሕ ፍርዲ ስለዘየለ እቲ ተኸላኻሊ ጠበቓ ብኸምዚ ዓይነት ምስክርነት ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ተወሳኺ መርትዖ ክቐርብ ኣይክእልን እዩ ብምባል ተቓዊምዎ።

እቲ ይግባይ ሰማዒ ቤት ፍርዲ፡ እቲ ይግባይ ዝሓትት ዘሎ ሰብኣይ ነቲ ኣብ 2011 ፈጺምዎ ዝተባህለ ገበን ኮነ ኢሉ ውዒልዎ ምዃኑን ዘይምዃኑን ኣጻርዩ ክውስን ኣለዎ። ኣቐድም ኣቢሉ ብናይ ወረዳ ቤት ፍርዲ ገበነኛ ምዃኑ ተረጋጊጹ ንናይ ክልተ ዓመት ማእሰርቲ ተፈሪዱ ነይሩ። ይዂን እምበር ነቲ ብይን ተፈጻሚ ኣብ ምግባር ዝተፈጥረ ምክፍፋል፡ እታ ኣባል ናይቲ ኣካዳሚ ዝኾነት በዓልቲ ቤቱ ኣብቲ ጾታዊ ዓመጽ ነይርዋ ብዝበሃል ተሳትፎ ካብቲ ኣካዳሚ ትሰጎግ ዶ ኣይትሰጎግ ዝብል ክርክር፡ ብተወሳኺ ብልሽው ምስግጋር ገንዘብ ናብቲ ባህላዊ መድረኽ፡ ሓያለ ኣባላት ናይቲ ኣካዳሚ ካብ ስርሖም ስንብታ ንኽሓቱ ምኽንያት ኮይንዎም እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com