Friday , March 29 2024

ተሃራፊ ጸወታ ባርሶሎናን ባየርሙኒኽን ኣብ ከተማ ሊዝበን

ባርሰሎን ንናፖሊ ናብ ሜዳ ካምፑኑ ዓዲማ ኣብ ዝገብረቶ ጸወታ ቡሉጽነት መሲ ዝተራእየሉ ናይ ፍርቂ እብረ ጸወታ ሓንቲ ሸቶ ብሽሙ ሓንቲ ድማ ፍጹም ቅላዕ ኣብ ዘበርከተሉ ብ ስዋረዝን ሌንግሌት ወሲኻ 3 ሸቶታት ብምምዝጋብ 3 ብ 1 ብምምራሕ ናብ ዕረፍቲ ኣምሪሔን። ነዚ ጸወታ ዘመሓላልፎ ዝነብረ ጋዜጠኛ ጎል ዶት ኮም ብ ድንቂ 2ይቲ ሸቶ ተመሲጡ መሲ ስብ ድዩ ንሙኻኑ ክብል ኣድናቖቱ ገሊጹ። ድሕሪ ዕረፍቲ ዝተመዝገበ ሸቶ ኣይነበረን ብድምር ውጺኢት ባርሰሎና 4 ብ 2 ብምዕዋት ናብ ሊዝበን ኣምሪሓ።

በዚ ናይ ሎሚ ሸቶ መሲ ኣብ ቻምፒዮን ሊግ ብ ድምር ኣብ ልዕሊ 35 ጋንታታት ሸቶ ዘመዝገበ እንኮ ተጸዋታይ ክኸውን ከሎ ክርስያኖ ሮናልድ ኣብ ልዕሊ 33 ጋንታታት ብምምዝጋብ ይስዕቦ።

ኣብ ካልእ ናይ ሎሚ ምሸት ጸወታ ጀርመናይዊት ክለብ ባየር ሙኒኽ ኣብ ልዕሊ ቸልሲ ብገፊሕ 4 ብ 1 ብምዕዋት ብናይ ክልተ እግሪ ድምር ድማ 7 ብ 1 ክትዕወት ከላ፣ ሎዋንዲስኪ ክልተ ሽቶታት ብምምዝጋብ ሸቶታቱ ኣብ ውድድር ቻምፒዮን ሊግ ናብ 13 ብምብራኽ ብሸቶታት ኣብ ምምራሕ ይርከብ።

ናይ ዘን ክልተ ዓርሞሽሽ ጋንታታት ጸወታ ኣብ ፖርትጋላዊት ከተማ ሊዝበን ናብ ፍርቂ ፍጻሜ መን ሓለፈ ነሓሰ 14 ዝካየድ ኮይኑ ኣፍቀርቲ ስፖርት ብ ኣግኡ ካብ ዝጽበይዎ ዘለዉ ግጥም እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com