Thursday , April 18 2024

ተመራመርቲ ዩኒቨርስቲ ሉንድ ምፍርራህ ይበጽሖም ኣሎ።

ሓደ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሉንድ ክፍሊ መርመራ እንስሳታት ዝሰርሕ ሳይንቲስት ብደብዳቤ እተሰነየ ናይ ሞት ምፍርራህ ከም ዝበጽሖ ተሓቢሩ። ተመሳሳሊ መላጸ ወይ ላማ እተጣበቖ ደብዳቤ ንኻልእ ተመራማሪ ሉንድ ከም ዝበጽሖን “MVH እንስሳታት” ዝብል ክታም ከም እተነብሮን ሲድስቨንስካ ሓቢራ። ኻልእ ሳልሳይ ተመራማራይ “እዚ ከባቢ ኣብ ትሕቲ ቊጽጽርና እዩ” ዝብል ክታም ዘለዎ ጽሑፍ ኣብ ቤቱ ተጠቂዑ ምርካቡን ብሓፈሻ ኣብ ተመራመርቲ እንስሳ ዩኒቨርሲቲ ሉንድ ርኡይን ተደጋጋሚ ምፍርራህን ይበጽሕ ምህላዉ እቲ ጸብጻብ ኣመልኪቱ። “ኣብ ልዕሊ እንስሳታት ዝወርድ ኲሉ ዓይነት ግፍዒ ብህጹጽ ክውገድ ደገፍና ክንህብ ኢና” ክብል ኣፈኛ እቲ ጒጅለ ኣብታ መጽሔት ጽሒፉ’ሎ። ፖሊስ ብዛዕባ እዞም ስግኣታት ክሕበሩ ከም እተገብረ ተገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com