Wednesday , April 24 2024

ተበሃጊ ንኽትከውን ዝሕግዙ ባህርያት

በቲ ዘለና ኣወንታዊ ባህርያት፡ ብዙሓት ፈተውቲ ከነጥሪ ከም እንኽእል ክንዝንግዕ የብልናን። ገለ ካብ’ዞም ባህርያት –

* ቃልካ ምኽባር- ንመቕርብና መሳርሕትና ቃል እንተኣቲናሎም ብዘይ ወዓል ሕደር ከነተግብሮ ይግባእ። ገለ ድኹማት ሰባት ግን፡ ንዘየተግብርዎ ብተደጋጋሚ ቃል ክኣትዉ ይረኣዩ። ስለዚ፡ ቃል ኣብ እንኣትወሉ እዋን፡ ክንፍጽሞ ምዃንና ምርግጋጽ የድሊ።

* ሕጕስ ምዃን- ገለ ሰባት ብዘይጠቅም እናማረሩ ስለ ዝሽገሩ፡ ካብ ክትቀርቦም ክትርሕቆም ኢኻ እትመርጽ። ብኣንጻሩ ካልኦት ኣብ ጽንኩር እዋን ትስፉዋት ስለ ዝዀኑ፡ ካብ ገጾም ፍሽኽታ ኣይፍለዮምን። እዚኦም ብብዙሓት ሰባት ተበሃግቲ ይዀኑ።

 * ንዘይትመልሶ ኣይትለቃሕ- ገለ ሰባት ካባኻ ገንዘብ ምስ ተለቅሑ፡ ኣብ ግዚኡ ኣብ ክንዲ ዝመልሱልካ ብገዛእ ገንዘብካ ኰለል ከብሉኻ ይረኣዩ። ገሊኦም’ውን ብልመና ከም ዘይተለቅሑ፡ ክዕበዩልካ ይጅምሩ። ካልኦት’ውን ንሓጺር እዋን ክጥቀሙሉ ዝወሰድዎ ንብረት፡ ኣብ ክንዲ ብጥንቃቐ ምሓዝ ካብ ስራሕ ወጻኢ ገይሮም ይመልሱልካ። ከም’ዚ ዓይነት ባህሪ ክህልወና የብሉን።

* ንመሰል ካልኦት ኣኽብር- ንመሰል ካልኦት ዘየኽብር ሰብ ንመሰሉ ኣብ ሓደጋ እዩ ዘውድቕ። እቲ ንመሰል ካልኦት ዝርዳእን ዘኽብርን፡ ንገዛእ መሰሉ ድልዱል ሓጹር ከም ዝተኸለሉ ዝኣምኑ ብዙሓት ሰዓብቲ የጥሪ።

* ቆጸራ ምኽባር – ምስ ዝዀነ ሰብ ክትራኸብ ቆጸራ እንተሒዝካ ኣብ ሰዓታ ክትርከብ ከም ዘለካ ኣይትዘንግዕ። ከም’ቲ ንስኻ ክትጥለም ዘይትደሊ፡ ንኻልእ ሰብ’ውን ኣይትጥለም። እቲ ቆጸራ ዝጠልም ወይ እውን ደንጕዩ ዝርከብ ኣብ ክብሪ ግዜ እኹል ርድኢት ከም ዘይብሉ’ዩ ዝቚጸር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com