Thursday , April 25 2024

ተጸዋዊርካ ምንባር፣ እቶም “ብዘይካይ ካልእ ኩሉ ግጉይ” እዩ ዝብል እምነት ዘይብሎም ሰባት ናይ ምጽውዋር ባህሊ ከማዕብሉ ኣይሽገሩን እዮመ ኣሌክሳንደር ቼስ።

ሕድሕድካ ተጸዋዊርካ ምንባር ብቐሊሉ ዝርከብ ጭውነት ኣይኮነን፡፡ እንተኾነ ግና ከም ማንም ካልእ ማሕበራዊ
ልምዲታት ተጸዋዊርካ ምንባር እውን ናይ ባዕሉ ደረት ኣለዎ፡፡ ኵሉ ሰብ ባህ ኢልዎ ይነብሮ (ይስዕቦ) ማለት”ውን
ኣይኮነን፡፡ ኤ.ሲ. ግሬይሊንግ ዝተባህለ ተጣባቒ ሰብኣውነትን ፈላስፋን ብዛዕባ ተጸዋዊርካ ምንባር ኣመልኪቱ
ዝጸሓፎ ዓንቀጽ እነሆ፡፡
ኣብ ማድሪድ (ሰፔይን) ከባቢ ካዛ ደ ካምፖ ዝርከባ ኣመናዝር ዘዘውትራኦ ናብ ዕርቃን ገጹ ዝዛዘወ ኣላብሳ
ዘቘጥዖ ኣዛዚ ፖሊስ እታ ከተማ እዘን ኣመናዝር “ዝሓሸ” ኣላብሳ ክኽተላ ክግደዳ ኣለወን ብምባል ክሲ ኣቕረበ፡፡
ላዕለዋይ ዳኛ እታ ከተማ ግና ንቲ ክሲ ነጸጎ፡፡ እዘን ኣመናዝር ኣዝዩ ሓጸር ጎና፤ ሸንኳፍ ካምቻ ወይ ብራቴለ ጥራይ
ምልባሰን ብኻልእ ሰብ ከም ነውራም ኣገባብ ዝረአ እኳ እንተኾነ ንኣኣተን ግና ናይ ሞያአን ዩኒፎርም ብምዃኑ
መሰለን እዩ፤ በዚ ድማ እዚ ክሲ ወዱቕ እዩ ክብል ወሰነ፡፡ እቲ ኣብዚ ዝተላዕለ ክትዕ ብቐንዱ ተጸዋዊርካ ምንባር
ንዝብል ዛዕባ ዝትንክፍ እዩ፡፡ ኣብዚ ኣርእስተ-ነገር ወጋኢ-ፋና ምንባሩ ዝንገረሉ ፈላስፋ ጆን ሰቱዋርት ሚል
ብህይወት ኔሩ ውሳነ ዳኛ እንተዝሰምዕ ብሓጎስ መጣቕዓሉ፡፡ ኣብታ ኣዝያ ጸላዊት On Liberty እትብል ድርሳኑ
“ሰባት ኣብ ክንዲ ካልኦት ብዘንበሩሎም ኣገባብ ዝጓዓዙ ከምቲ ዘዝመሰሎም ጌሮም ክነብሩ ዝሓሸን ብዙሕ
ረብሓ ዘለዎን እዩ” ብምባል ይጣበቕ፡፡
እዚ ብዙሕ ኣመታት ዝሓዘለ ብህሎ እዩ፡፡ ብመሰረት አዚ ብህሎ “ተጻዋርነት ዘይብሉ” ዝበሃል እቲ ሰባት ኣብ ክንዲ
በቢዝመሰሎም ዝነብሩ ከምቲ ናቱ ክነብሩን ክኣምኑን ጸቕጥን ሓይሊን ዝጥቀም እዩ፡፡ ሓደ ማሕበረሰብ ዝነብሩ
ዝተፈላለዩ ኣገባባት መንብሮ ከጒላዕልዑ ምፍቃድን ምትብባዕን ረብሓኡ ብዙሕ እዩ፤ ምኽንያቱ ባህሊ ማለት
እኩብ ጥበብን ኣግባብ መፍትሒ ሽግራትን ሓደ ሕበረተሰብ ስለዝኾነ፡፡ ሓደ ሰብ ኣነባብራኡ ንኻልኦት ክሳብ
ዘይሃሰየ ኻልእ ሰብ መጺኡ ብኸመይ ህይወቱ ከም ዝመርሕ ክሕንጽጸሉን ኣነ እየ ዝፈልጠልካ ክብሎን ኣይግባእን፡፡
ብዙሕ ባህሊታት ምፍላጥ ጥበበኛን ብኣእምሮ ሃብታምን ይገብረካ፡፡ ሓደ ባህሊ ጥራይ ከም ሓደ ዝዓይነቱ መግቢ
እዩ–ሽሕ ግዜ ሃብታም ይኹን ብጣዕሚ ካልኦት ባህሊታት እንተዘይተማዝዩ ውዒሉ ሓዲሩ ምድኽዳኹ ኣይተርፎን፡፡
እዚ ብቐንዱ ዓንዲ ሕቖ ሊብራላዊ ሰነ-ሓሳብ እዩ፡፡ ወዲ-ሰብ ብሓደ ውሱን ኣገባብ መታን ክኸይድ ገለ ፍሉጥ
ቀይዲ እንተ ዘይተጌርሉ ገዚፍ መዓትን ጥፍኣትን እዩ ዘስዕብ ዝብሉ ሰባት ከምዚ ዝበለ ሓሳባት ክሰምዑ ኣይደልዩን
እዮም፡፡
ተጸዋዊርካ ምንባር ክልተ ገጻት ሊበራላውነት የቕውም፡፡ ነቶም ብተሰንጠቕ ዝቃወሙኻ ሓብሒብካ ምንባር
ዓንዲ ሕቖ ስነ-ሓሳብ ሊበራላውነት እዩ፡፡ ዓለም ዕዳጋ ሓሳባት እያ፤ ተጸዋዊርካ እናነበርካ ሓሳባትካ ትሸይጥ እቲ
ዝሓሸ ዓብሊሉ ይዕወት፡፡ እዚ መልምዒን መጥፍኢን መትከል ተጸዋዊርካ ምንባር እዩ፡፡ ዴሞክራሲ ኣብ ዘይሰፈነሉ
ስርዓታት ቀዳማይ ግዳይ ዝኸውን እቲ ንተጻይካ ተጻዊርካ ምንባር ዝብል መንፈስ ብኡ ኣቢሉ”ውን ናይ እምነትን
ኣገባብ መንብሮን ናጽነት እዩ፡፡
ኣብዚ ወትሩ ዝለዓል ክትዕ ኣሎ? እሞ ነቲ ተጻዋርነት ዘይፈልጥ ተጻዋርነት ምርኣይከ ግቡእ ድዩ ዝብል?–እቲ
መልሲ ዘየዳግም “ኣይፋል” እዩ፡፡ ተጻዋርነት ነብሳ ክትከላኸል ማንም ዘይምንዝዖ መሰል ኣለዋ፡፡ ብኸመይ
ኣገባብ? ማንም ሰብ ቅኑዕ እዩ ኢሉ ንዝኣመነሉ ሓሳባት ክጋወሕን ክጣበቕን መሰሉ እኳ እንተኾነ– ብሓይሊ
ከስገድዶ ኣይኽእልን፡፡ እቲ እንኮ እትግደዶ ስራሕ ዕላማኻ ብስነመጎታዊ ኣገባብ ንኻልኦት ምፍላጥን ብኻልኦት
ንዝመጻካ ሰላማዊ ናይ ሓሳባት መጥቃዕቲ ብሰላማዊ ኣገባብ ንኽትምልሰሉ ድሉው ምዃንን!

ዘይምጽውዋር ካብ ፍርህን ስእነት ውሕስነትን ዝምንጩ ስምዒት እዩ፡፡ እቶም ህይወትካ ክንባልሃልካ ብምባል
ንሶም በዝሓንጸጽዎ ኣገባብ መንብሮ ክትመላለስ ጸቕጢ ዝገብሩልካ ሰባት ቀንዲ ድርኺቶም ድሕነት ህይወትካ
ዘይኮነስ ኣብ ውሽጦም ኮይኑ ዝህውጾም ስእነት ውሕስነት እዩ፡፡ ንኣብነት ኣብ ገሊኡ ባህሊታት ደቀንስትዮ ማዕረ
ወዲ-ተባዕታይ ክዓያን ክንሳቐሳን እንክጅምራ “ደጊም ከም ድላይና ክንቆጻጸረን ኣይንኽእልን ኢና” ዝብል
ስምዒት እዩ ንደቂ-ተባዕትዮ ኣንጻረን ክዕጠቑ ዝድርኾም፡፡ እዚ ፍርሂ ውዒሉ ሓዲሩ ንተጸዋዊርካ ምንባር ግዳይ
ይገበራ፤ ዘይተጻዋርነት ብግዴኣ ንፍርሂ ትወልዳ እሞ–ፍርህን ዘይተጻዋርነትን ሓደ እኩይ ሓሸውየ ሰሪሖም
ክልቴኣቶም እናተፋረዩ ይቕጽሉ፡፡
ተጸዋዊርካ ምንባር ብቐንዱ መርኣያ ስልጡን ሕብረተሰብ እዩ፡፡ ሄለን ከለር “ናይ ምህሮ ዝዓበየ ቁምነገር ተጻዋሪ
ዜጋ ምፍጣር እዩ” ዝበለት ብዘይ ምኽንያት ኣይኮነን፡፡


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com