Saturday , April 27 2024

ቲግኒል፡ ግዜ ንድሕሪት ክትመልሶ እንተ ዝከኣል ኔሩ . . . . ዝሓሸ ኣገባባት ምተጠቀምና

ግዜ ንድሕሪት ክትመልሶ እንተ ዝከኣል ኔሩ፡ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ንምቁጽጻር ዝወሰድናዮም ስጉምታት ብዝተመሓየሹ ኣገባባት ምተካእናዮም ኔርና ክብል ኣማኻሪ ጉዳያት ለበዳ ሽወደን፡ ኣንድሽ ቲግኒል፡ ምስ ሬድዮ ኢኮት ኣብ ዝገበሮ ርክብ ሓቢሩ። ነቲ ብብዙሓት ሃገራት ዝተወስደ ምሉእ ናይ ምርጋጥ ስጉምቲ ግን ከምዘይድግፎ ሓቢሩ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ሽወደን ትኽተሎ ዘላ እስትራተጂ ዝያዳ ክመሓየሽ ተኽእሎታት ኣሎ። ንድሕሪት ተመሊስካ ሎሚ ክትሪኦ እንከለኻ፡ ኣብ መጀምርታ ውን ካብቲ ዝተገብረ ዝያዳ ክግበር ተኽእሎታት ከምዝነበረ ክትግምግም ትኽእል።

ብዛዕባ ሕማም ኮቪድ-19 ሎሚ ዘለና ኣፍልጦ ኣቐዲሙ እንተዝህልወና ነይሩ፡ ሎሚ ኣብ መንጎ ብሽወደንን ዝተረፋ ሃገራት ዓለምናን ዝተኸተለኦ ኣገባባትን ዝተረኽበ ውጽኢትን ምሃለና ኔርና ክብል ከምዝተዛረበ SVT ብወገኑ ኣቃሊሑ።

ቲግኒል ከምዚ ዓይነት መግለጺ ክህብ ዝገደዶ ምኽንያት፡ እቲ ብሰንኪ ሕማም ኮቪድ-19 ዘጋጥም ዘሎ ምውሳኽ ቁጽሪ ናይ ዝሞቱ ሰባት ምዃኑ ሬድዮ ሽወደን ገሊጹ።

ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ምስ ኣጋጠመ፡ ዝበዝሓ ሃገራት ዓለምና ብቐጥታ ናይ ምርጋጥ ስጉምቲ ወሲደን። ሽወደን ትርከበን ውሑዳት ሃገራት ድማ ዘገምታዊ ናይ ምዕጻው ስጉምቲ ወሲደን። ብቐጥታ ናይ ምርጋጥ ስጉምቲ ኣብ ትወስደሉ ኣዋናት፡ ኣበየናይ መድረኽ ነቲ ለበዳ ክትዕወተሉ ከምዝኸኣልካ ክትፈልጦ ዘይምኽኣል እቲ ዝዓበየ ጸገም እዩ።

ዘገምታዊ ናይ ምዕጻው ኣገባባት ኣብ ትኽተለሉ እዋናት፡ ኣበየናይ መድረኽ ነቲ ለበዳ ክተድማዓሉ ከም ዝኸኣልካ ብቐሊሉ ክትዕዘብን ተምክሮታት ክትቀስምን ትኽእል። ምሉእ ሕብረተሰብ ከይረገጥካ ንዘጋጥሙኻ ለበዳታት ክትቆጻጸሮም ዘኽእሉኻ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ስጉምታት ንመጻኢ መምሃሪ ክኾኑና ዝኽእሉ እዮም ብምባል ቲግኒል ዘረብኡ ደምዲሙ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com