Friday , April 19 2024

ትስፉውነት + ንቕሓት = ዓንዲ ብልጽግና ቀዳማይ ክፋል ብበሪሁሉ ብኣማን

ብልጽግና፡ ንቕሓት ብዝተሓወሶ ጻዕሪ ኣንጻር ኩሉ መሰናኽላት ህይወት ገጢምካ ዕውት ብምዃን ዝረጋገጽ መደያይቦ ዕብየት እዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ ብልጽግና፡ ነቲ ተፈጥሮ ብዘይ ብቂ ዝዓደለካ መሃዚን ፈጠራውን ዓቕምኻ ኣበራቢርካ ዝብጻሕ ደረጃ’ዩ ማለት እዩ።

ብልጽግና ማለት ገንዘባዊ ወይ ንዋያዊ ሃብቲ ማለት እዩ እንተኢልና፡ ሃብታም ኣተሓሳስባ ከየጥረኻ እትውንኖ ብልጽግና ከም ኣብ ሑጻ ዝተሰረተ ህንጻ ነባርነት ከም ዘይህልዎ ምርዳእ ኣገዳሲ እዩ። እቲ ‘ቅድሚ ልቢ ኣይጠረ ወርቂ’ ዝብል ብሂል ነዚ’ዩ ዝገልጽ።

ብኻልእ መዳይ፡ መሰረት ነባሪ ብልጽግና፡ ሃብታም ኣተሓሳስባ እዩ ካብ በልና፡ ነቲ ሃብታም ኣተሓሳስባ እውን ሃብታም ክብርታት ዝወነነ ሰብ ጥራይ ከም ዘማዕብሎ ምግንዛብ የድሊ።

ፍሰሃን ደስታን ንምርካብ ብኡ ኣቢሉ ድማ ስኒትን ምትሕቑቛፍን ንምፍጣር ዘየገልግል ብልጽግና ትርጉም የብሉን። ኣብ ክንዲ ኣገልጋሊኻ ጎይታኻ ዝኸውን ብልጽግና ምስ ብልጽግና ኣይጽብጸብን። ሃብታም ኣተሓሳስባ ከየማዕበልካ እትውንኖ ነገራዊ ብልጽግና ከተመሓድሮ’ውን ኣጸጋሚ እዩ።

ስለዚ ኣብ ጎደና ብልጽግና ንኽትምርሽ ብቐዳምነት መሰረት ብልጽግናኻ ኣተሓሳስባኻ ምዃኑ ምእማን የድሊ። ንሎሚ ክልተ መሰረታውያን ረቛሒታት ብልጽግና ዝዀኑ ኣምራት ክጠቅስ። ነቶም ካልኦት ኣብ ካልእ ግዜ ክምለሶም እየ።

ትስፉውነት

ትስፉውነት ካብ ኣወንታዊ ኣተሓሳስባ እዩ ዝውለድ። ኣብ ህይወት ዘለካ ኣጠማምታ ኣወንታዊ እንተኾይኑ ኣእምሮኻ’ውን ካብ ኣሉታዊ ስምዒታት ሓራ እዩ ዝኸውን። መንፈስ ፍቕርን ሓልዮትን ይዓስለካ። ውሽጣዊ ሰላም ይህልወካ። በዚ ድማ እቲ ብንጹህ ሕልና ካብ ኣእምሮኻ እተፈልፍሎ ኣወንታዊ ሓሳባት ከም ውልቀሰብን ከም ኣባል ሕብረተሰብን ክብሪ ኣውሂቡ ናብ መሳልል ብልጽግና የደይበካ።

መዓስ እዚ ጥራይ! ምስ ሰባት ኣብ ምርድዳእ ዝተሰረተ ዝምድናታት ክህልወካ ከም ዘለዎ ይሕብረካ። ንሰባት ብኣወንታ ትጥምቶም፣ ንሰብኣዊ ክብሮም ዋጋ ትህቦ፣ ንድኽመታቶም ትርድኣሎም፣ ስምዒታዊ ኴንካ ካብ ምፍራዶም ድማ ትቑጠብ።

ብኣወንታዊ ኣመለኻኽታ ተደሪኽካ እትምስርቶ ዝምድናታት ዕላማታት ህይወትካ ኣብ ምጭባጥን ሕልምታትካ ኣብ ምግሃድን ዓቢ ተራ እዩ ዝጻወት።

ንቕሓት

ንቕሓት፣ ካብ ትኩር ትዕዝብትን ህንጡይነትን፣ ከምኡ’ውን ክትመሃርን ክትልወጥን ካብ ምድላይ እዩ ዝምዕብል። ዕላማ ህይወትካ ኣነጺርካ እንተፈሊጥካዮ፡ ዓቕምታትካ እውን ክተለልዮ እንተኽኢልካ ንቑሕ ሰብ ኢኻ። ምኽንያቱ ኣበይ ክትበጽሕ ከም እትደሊ፡ ናብቲ ክትበጽሖ እትደሊ በየናይ ጐደና ክትጓዓዝ ከም ዘለካ፡ እንታይ ኣእምሮኣዊ ትሕዝቶ ከም ዘለካ ክትፈልጥ ክኢልካ ኣለኻ ማለት እዩ። እቲ ንቕሓት ዝበሃል ከኣ ንሱ’ዩ።

ኣብ ዝኾነ ይኹን ዓውዲ ንቕሓት’ዩ መፍትሕ ዓወት። ኣብ ትምህርቲ ንቑሕ ተማሃራይ እዩ ኣኽሊል ዓወት ዝደፍእ። ኣብ ናይ ስራሕ ዓለም’ውን እንተኾነ ኣብ ርእሲ እቲ ዘጥረዮ ተጠላቢ ሞያን ፍልጠትን ንቕሓት’ውን ዝወነነ ሰብ’ዩ ክብሪ ዝረክብን ተጠማቲ ዝኸውንን።

ንቕሓት ፍልጠት’ዩ። ንቕሓት ሓይሊ’ዩ። ንቕሓት ዓወት’ዩ። ንቕሓት እንተለካ ኢኻ ንክውንነትካ ክትገጥሞ ክእለትን ዕድልን ዝህልወካ። ንቕሓትካ’ዩ ኣብ ከባቢኻ ንዘሎ ዕድላትን ዕንቅፋታትን ከም እተለሊ ገይሩ ነቲ ዝስገር ክትሰግሮ ነቲ ዝምዝመዝ ድማ ክትምዝምዞ ዘኽእለካ።  

…ይቕጽል..


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com