Saturday , April 20 2024

ትፈልጡዶ?

ስለምንታይ ኢና ከኒና ንብል? ኮካ መኣስ ተማሂዙ?

ኣብ ሃገርና ንዝኾነ ዝወሓጥ መድሃኒት ከም ታብለት ወይ ካፕሱል፡ ከኒና ኢና እንብሎ። እንታይ እዩ ምኽንያቱ? ልዕሊ ሚእቲ ዓመት ይገብር ሕማም ዓሶ ንወድሰብ ኪውድእ ከሎ፡ ገለ ተመራመርቲ ሓደ ኣዚዩ መሪር ዝኾነ ኣብ ላቲን ኣመሪካ ዚርከብ ልሕጺ ኦም፡ ንዓሶ ከም ዘሕዊ ወይ ከም ዘዐግስ ፈሊጦም። ምናልባት ካብቶም ደቀባት ወሲዶምዎ ይኾኑ። ስም ናይቲ ፈውሲ ክዋይናይን እዩ ዚብሃል፡ ብጣልያን ድማ ከኒና። ኣብ ሃገርና ዓሶ ሓደገኛ ሕማም ብምንባሩ፡ ሰባት እተጠቕለለ ወይ ከም ታብለት እተቐርጸ ክዋይናይን ወይ ከኒና ይወስዱ ነይሮም። ብኡ ኣቢሉ ድማ ኩሉ ንሕማም ኪፍውስ ተባሂሉ ዚወሓጥ ታብለት ወይ ካፕሱል፡ ከኒና ተባሂሉ ይጽዋዕ ኣሎ።

ከኒና ኣዚዩ መሪርን ግን ከኣ ጣዕምን ዘለዎ ብምዃኑ፡ ኣብ ቶኒክ ዎተር እውን ይዝውተር እዩ። ገለ ሰባት ነቲ ቶኒክ ዎተር መታን ዓሶ ከይሓሙ ኢሎም ይወስዱዎ እዮም፡ ገሊኦም ድማ ኣንጻር ቅርጥማት ኢሎም ይሰትዩዎ።

ኮካ ኮላ ብዶክተር ኤስ ፐምበርቶን ብ1886 ኣብ ኣታላንታ ጆርጂያ (ኣመሪካ) እዩ ተማሂዙ። እቲ መሃዚኡ ነቲ ፍርያቱ ኣብቲ ፋርማሲኡ እዩ ዝሸጦ ነይሩ፡ ንሓንቲ ብርጭቆ ሓምሽተ ሳንቲም ኣመሪካ ይሸጦ ነይሩ። ደሓር ግን ገሊኣቶም ስለምንታይ ዘይትዕሽጎ ዚብል ምኽሪ ምስ ለገሱሉ፡ ክዕሽጎ ጀመረ፡ እነሆ ድማ እተዓሸገ ኮካ ኮላ ንዓለም ወሪሩዋ ንርእዮ ኣሎና። ድሕሪ ሻህን ቡንን፡ ኮካ ኮላ እቲ ኣዚዩ ተሰታዪ ፈሳሲ ምዃኑ ተመስኪሩሉ እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com