Saturday , April 27 2024

ነስተውዕል …

ጌጋ መናብርትና እዩ። የግዳስ ተደጋጋሚ ሓደ ዓይነት ጌጋ ምድግጋም፡ ጸገም ከም ዘለና እዩ ዘርኢ። ጌጋ ምፍጻም ምስ ኣጉደልናን ተቖጻጸርናን፡ ቅኑዓት ነገራት ባዕሎም እዮም ዝመጹና። ብዝዀነ፡ ነዞም ዝስዕቡ ጌጋታት ንፍጽም ከይንህሉ ምዝካር ከድልየና እዩ።

ዕዉር ፍርዲ ንህብ ከይንህሉ፡- ንሰባት በቲ ዘንጸባርቑዎ ደጋዊ ነጸብራቖም ንፈርዶም ከይንህሉ ንጠንቀቕ። ምኽንያቱ እቲ ሰባት ዘርእዩና ዘለዉ ባህርያት፡ እቲ ከርእዩና ዝደልዩ ዝመረጹዎ ነገራት ጥራይ ወይ ድማ ካብ ምሒር ጭንቀትን ሽግርን ተበጊሶም ጥራይ ዘንጸባርቑዎ ክኸውን ይኽእል እዩ። ስለዚ ተቐዳዲምና ዕዉር ፍርዲ ምሃብ ንኻልኦት ሰባት ጥራይ ዘይኰነ፡ ንገዛእ ርእስና’ውን ሃሳዪና እዩ።

ሰባት፡ ፍጹማት ክዀኑልና ዘይምጽባይ፡- ንፍቕሪ ክፉታት እንተደኣ ኴንና፡ ንጉድኣትን ሽግርን’ውን ክፉታት ክንከውን ይግበኣና። እንተደኣ ጉድኣትን ምግርጫውን ዘይብሉ ፍቕሪ ክንምስርት ንሕልን ኣለና ኴንና ግን፡ ፍቕሪ ዘይኰንናስ ፍጹምነት ኢና ንጽበ ዘለና ማለት እዩ። ስለዝኾነ ከኣ ሓሳብ ልብና ኣይሰምርን። ሰባት ፍጹማት ክዀኑልና ምጽባይ ምስ ኣቋረጽና ጥራይ ኢና ከኣ፡ ከነድንቖም እንጅምር።

ገዛእ ርእስና ጎሲና፡ ናብ ካልእ ነገራትን ሰባትንነተኩር ከይንህሉ፡- ኣብ ሓደ ግዜ እዛ ዓለምና ንሓደ ሰብ ዝበለጸት ስፍራ ክንገብራ’ስከ ንፈትን። እቲ ሰብ ከኣ ገዛእ ርእስና ክኸውን ንምረጾ። ሽዑ ጥራይ ድማ እያ ዓለም ንኹሉ ፍጡር ዝበለጸት ስፍራ ህይወት ትኸውን። ኵሉ ሰብ ፍቕርን ብሉጽነትን ተመጊቡ ክልግስ ስለ ዝኽእል። ንውሽጥና ኣዕሚቚና ክንጥሕል ምስ እንኽእል ጥራይ ድማ ኢና ዕላማና እንወቅዕ።

ንጌጋን ቅርሕንትን፡ ንነዊሕ እዋን ኣብ ውሽጥና ዘይምሓዝ፡- ምሕዳግ ማለት ምርሳዕ ማለት እዩ። ሕድገት ምግባር ማለት፡ ነቲ ዝኽሪ ምሕዳስ፡ ንጸገማት ምብዳህን ሓድሽ ጕዕዞ ምጅማርን ማለት እዩ። ምሕዳግ፡ ንዘሐጐሱናን ዘስሓቑናን፡ ንዘንብዑናን ዘጕሃዩናን ተሞኩሮታት ከምኡ’ውን፡ ክንመሃርን ክንዓብን ብምብቅዖም ምምስጋን እዩ።

ጌጋታትና ዘይምእማንን ዘይምቕባልን፡- ጌጋታት፡ እንተደኣ ንቕበሎምን ክንመሃረሎም ቅሩባትን ኰይንና፡ ካብ ጉድኣቶም ጥቕምታቶም ዝበዝሓሉ እዋን ኣሎ። እንተደኣ ዝወሰድናዮ ስጕምትን ዝተኸተልናዮ ኣገባብን ውጽኢት ዘይኣምጺኡ፡ ዝተፈልየ ኣገባብን ተግባርን ክንወስድ እዩ ዘተባብዓና። ካብኡ ሓሊፉ ግን፡ ንጌጋታትና ምስ ዘይንቕበሎምን ዘይንእመነሎምን፡ ጌጋታት እናተፋረዩ ከም ዝሕሽክቱ ኢና ንገብር።

ንፍርሕታትና ምስ እንነጽግ፡- እቲ ዝበዝሐ ሰብ ክሓብኦ ዝደሊን ዝጽዕርን መቸም ፍርሒ እዩ። እዚ ከኣ፡ ፍርሒ ኣሉታውን ከም ምልክት ድኻምን ስለ ዝውሰድ’ዩ። ፍርሕታትና ግን መሓዙትና’ዮም። እቲ ቀንድን እንኮን ስረሖም ከኣ፡ ሕጕስ ህይወት ኣብ ምምስራት ጌና ዘይማዕበሉ ክፋልና ንምርኣይ’ዩ። ስለዝዀኑ ንኺዶም፡ ምስኦም ኮፍ ንበል ቀው ኢልና ከኣ ንጠምቶም። ህይወት ከኣ፡ ነቶም ክንትግብሮም እንፈርሖም ነገራት ክንገብሮም ምስ በቓዕና እያ ክፍትቲን ብልጽትን ትኸውን።

ልዕሊ’ቲ ዝግበኣና ተቐባልነት ንጽበ ከይንህሉ፡- ካብ ንደገ ብዝያዳ ናብ ውሽጥና ዛዚና ምስ ንሰርሕ ኢና እንዓቢ። ምንጪ ሓጐስናን ክብረትናን ካብ ውሽጥና’ምበር ካብ ደገ ዝመጽኡ ስለዘይኰኑ፡ ልብናን ክብረትናን ንመስዋእቲ ኣይንኽፈል። ንጌጋ ምኽንያታት፡ ናይ ገዛእ-ርእስና ደረጃን ክብረትን ከነትሕት የብልናን። ብገዛእ ርእስና ሕጕሳት፡ ክብረት ዝስመዓና ዕጉባትን ምስ እንኸውን እዮም ሰባት፡ ዘኽብሩና፡ ዝቕበሉናን ምሳና ዝሕጐሱን።

ብዛዕባ ክንቅይሮም ዘይንኽእል ነገራት ምጭናቕ፡ – እቲ ካብቶም ንህይወትና ምሉእ ሓጐስ ዝፈጥረላ ነገራት፡ ክንቅይሮም ንዘይንኽእል ነገራት ምሕዳግን ዘይምጭናቕን እዩ። ብዛዕባ ሕማቕ ናይ ትማሊ ንሰላም ዝዓሰላ ሎሚ ከይንብርዛ ንጠንቀቕ። ትማሊ ሓሊፋ እያ፡ ጽባሕ’ውን ዘይክትመጽእ ትኽእል እያ። ስለዚ፡ ብዛዕባ ክንቅይሮም ዘይንኽእል ነገራት ክንጭነቕ ኣይግባእን።

ብቐሊሉ ተስፋ ንቖርጽ ከይንህሉ፡- ነፍሲ-ወከፍ ጌጋ፡ ግርጭት፡ ሽግርን መከራን፡ ንመጻኢ ህይወትና ንምጽባቕ ብሉጻት ዕድላት እዮም። ብዘይ ብዙሓት ነገራት ክንነብር ንኽእል ኢና። ብዘይ ተስፋ ምንባር ግን ዝከኣል ኣይኰነን። ንተስፋ ብመንገዲ ቃንዛታትን ዛንታታትን ኣቋሲና ንመገባ። ልዕሊ ዅሉ ግን፡ “እዚ ዅሉ ግዜያዊ እዩ። ብሳላኡ ድማ ኢና እንተርርን እንዓብን” ንዝብል ሕሹኽታ ውሽጥና ንስማዕ።

“ኦሮማይ” ኣይንበል፡- ንፍለጥ ኣይንፍለጥ ዝተረፈ ህወትና ሕጂ ሕጂ ይቕረጽ ከም ዘሎ እዩ እቲ ሓቂ። ንኵነታትና ብሕማቕ ዕድል ከነማርራ ወይ ድማ ነቲ ሕማቕ ኣጋጣሚ ዓጢቕና ክንቃለሶ ክንመርጽ ንኽእል ኢና። ነገራት ኵሉ ግዜ ብቕንዕናን ብዘይ ኣበርን ኣይጐዓዙን’ዮም። መብዛሕቲኡ ግዜ ግን እቲ እንህቦ ኢና እንረክብ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com