Friday , April 26 2024

ነበርቲ ስቶክሆልም ብምኽንያት ፋሲኻ ናብ ዝተፈላለየ ቦታታት ዝግበር መገሻታት ከቛርጽዎ ይሕተቱ።

ተቐማጦ ስቶክሆልም በዓል ፋሲካ ንምብዓል ናብ ጎትላንድ፣ኦረ፣ ኦላንድን ካሊኦት ከባብታት ሽወደን እንተ ድኣ መጺኦም፡ ልዕሊ ዓቕሚ ኣገልግሎት ሓለዋ ጥዕና’ዛ ከተማ ዝኾኑ ብዙሓት ብሕማም ክሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ክህልውዎም ስለዝኽእሉ ኣብዚ ሕጂ እዋን ናብዛ ደሴት ንኽኣትዉ ተቐባልነት ከምዘይብሎም ሓላፊት ጥዕና ጎትላንድ፡ ሜሪ ሉፕ፡ ከምዝሓበረት ተለቪዥን ሽወደን TT ሓቢራ። ብዙሓት ካብ ተቐማጦ ስቶክሆልም በዓል ፋሲካ ንኸሕልፉ ናብቲ ኣብታ ደሴት ዝርከብ ዝውንንዎ ኣባይቲ ከምዝኸዱ ይፍለጥ።

ኣባላት ሆስፒታል ፊስቢ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ፍይስቡክ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ቪድዮ መልእኽቲ “ እዋን ፋሲካ ኣብ ምድራዊ ኣካል ክትጸንሑ ንሓትት” ዝብል ኮይኑ ሰባት ናብ ደሴት ንኸይመጹ ዝጽውዕ እዩ። እቲ ሆስፒታል ነቶም ኣብቲ ደሴት ምዝጉባት ዘይኮኑ ሰባት ተወሳኺ ዓራውትን ናይ መስተንፈሲ ማሺናትን ንኽቕርብ ልዕሊ ዓቕሙን ከሸግሮ ምዃኑን ኣብቲ ናይ ቪድዮ መልእኽቲ ብተወሳኺ ሓቢሮም። ኣብዚ ሕጂ እዋን እቲ ሆስፒታል ዓቕሙ ብዘፍቅዶ ምድላዋት ይገብር ኣሎ። በዓል መዚ ጥዕና ድማ ሰባት ካብ ገዝኦም ንኸይወጹ መዘኻኸሪ መልእኽቲ የማሓላልፍ ኣሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com