Saturday , April 20 2024

ናብ ሽወደን ተሰዲድካ ምምጻእ

ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ሽወደን፡ ኣስታት 10 ሚልዮን ነበርቲ ኣሎዉዋ። ኣስታት 3.5 ሚልዮን ካብ’ዚኣቶም ኣብን ከባብን ናይ’ተን ሰለስተ ዓበይቲ ከተማታት፡ ማለት ስቶክሆልም፡ ዮተቦርን ማልመን ይነብሩ። 17% ወይ ከኣ ብቚጽሪ ኣስታት 1.7 ሚልዮን ዝኾኑ ካብ ነበርቲ ሽወደን፡ ኣብ ካልእ ሃገር ወይ ካብ ሽወደን ወጻኢ ዝተወልዱ እዮም።

ኣብ 20 ክፍለ ዘመን፡ ብዙሓት ሰባት ናብ ሽወደን ተሰዲዶም። ብዘይካ ገለ ገለ እዋናት ገዲፍካ፡ ሽወደን ካብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ጀሚራ ካብ ዋሕዚ ስደተኛታት ዳርጋ ኣየዕረፈትን ክብሃል ይክኣል። እዚ ብስፍሕ ዝበለ መገዲ ክርአ እንከሎ፡ ካብ’ቶም ንሽወደን ገዲፎም ናብ ካልእ ሃገር ዝተሰዱ እቶም ካብ ካልእ ሃገር ናብ ሽወደን ተሰዲዶም ዝኣተዉ ይበዝሑ።

ኣብ 50ታትን 60ታታን፡ ሽወደን ናይ ሰብ ሓይሊ(ብዝሒ ጒልበት ሰብ) ኣድልዩዋ። ብዙሓት ሰባት ካብ ቀረባኣ፡ ማለት ጎረባብታን ከባቢኣን ሃገራት፡ ከም ጣልያን፡ ግሪኽ፡ ዩጎዝላቭያን ቱርክን መጺኦም።

ኣብ ሰማንያታት፡ ካብ ደቡብ ኣመሪካ፡ ኢራን፡ ኢራቕ፡ ሊባኖስ፡ ሶርያ፡ ቱርክን ኤርትራን፡ ኣብ ሽወደን ዑቕባ ሓቲቶም። ጸኒሖም ድማ፡ ካብ ሶማልን ምብራቕ ኤውሮጳን መጺኦም።

ኣብ 1999 ዓ/ም ኤውሮጳዊ ቤት ምኽሪ፡ ኩላተን ኣባላት ኤውሮጳዊ ሕብረት ዝኾና ሃገራት፡ ሓባራዊ ናይ ዑቕባን ስደትን ፖሊሲ ክህልወን ወሲኑ። እዚ ድማ ናይ ሓባራዊ ምትሕግጋዝ ስምምዕ “ሸንገን” ተባሂሉ ይፍለጥ። ኣብ 2001 ዓ/ም፡ ሽወደን፡ ኣባል ናይዚ ውዕል’ዚ ኮይና። ትሕዝቶ ናይዚ ስምምዕ’ዚ ከኣ፡ ዝኾነ ኣብ ሓንቲ ካብ’ተን ነዚ ስምምዕ ዝኸተማ ሃገራት ዝነብር ሰብ፡ ካብ ዶብ ናብ ዶብ ክሰጋገር እንከሎ፡ ቪዛ ከይተሓተተ ብናጻ ንኽንቀሳቐስ ዘፍቅድ ውዕል እዩ። ከም ውጽኢት ስምምዕ ሸንገን፡ ኣብ መጀመርታ 21 ክፍለ ዘመን፡ ቊጽሪ ሓተቲ ዑቕባ ክብ ክብል ተራእዩ።

ኣብ ሽወደን፡ እቲ ናይ ስደተኛታት ጒዳይ፡ ነቲ ንወጻእተኛታት ዝምልከት ሕጊ ተመርኲሱ እዩ ዝሰርሕ። እዚ ድማ ናይ ዑቕባ፡ ናይ መንበሪ ፍቓድን ናይ ስድራቤት ምትእኽኻብን የጠቓልል።

ኣብ ዓመተ 2016፡ ልዕሊ 163000(ሓደ ሚእትን ስሳን ሰለስተን ሽሕ) ሰብ ናብ ሽወደን ተሰዲዶም። ካብ’ዚኣቶም፡ 56% ደቂ ተባዕትዮ ክኾኑ እንከለዉ፡ 44% ከኣ ደቀንስትዮ እየን። ልዕሊ 15000(ዓሰርተ ሓሙሽተ ሽሕ) ሽወደናውያን፡ ኣብ ካልእ ሃገር ድሕሪ ምጽናሕ ናብ ሽወደን ተመሊሶም። ኣብዚ ዓመት’ዚ ናብ ሽወደን ካብ ዝኣተዉ ስደተኛታት፡ እቶም ዝበዝሑ፡ ሶርያውያን እዮም።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com