Saturday , April 20 2024

ናይ’ዚ ዓመት፡ መስኮት ምስግጋር ተጻወቲ፡ ሎሚ ተዓጽዩ

ክሮና ቫይረስ ዘስዓቦ ቁጠባዊ ቅልውላው፡ ንኹለን ክለባት ከምዝጸለወን ግሁድ ተርእትዮ ናይ’ዚ  ዓመት እዩ ነይሩ። ክለባት፡ ዓበይቲ ወጻኢታት ክገብራ ዘይትጽበዮ እዩ። ይኹን እምበር፡ እዚ ዓቢ ትጽቢት ዝተገብረሉ መስኮት ምስግጋር ተጻወቲ፡ ምስ እዋናዊ ኩነታት ብምንጽጻር ተዛማዲ ዝኮነ ምስግጋር ተጌሩ ኣሎ ክበሃል ይከኣል። ካብቲ ዝተኻየደ ምስግጋር ንምጥቃስ፡ ካብ ትጽቢት ብዙሓት ወጻኢ፡ ክለብ ኣርሰናል ኣብ ናይ መወዳእታ ሰዓት ዘርኣየቶ ምንቅስቃስ’ዩ። ክረምቲ ምሉእ ክዝረበሉ ዝጸንሐ ተጻዋታይ ክለብ ኣትለቲኮ ማድሪድ ዝኾነ ጋናዊ ቶማስ ፓርተ ብ 45 ሚልዮን ፓውንድ ን4 ዓመታት ክፍርም እንከሎ፡ ሰሙናዊ 260 ሽሕ ፓውንድ ክኽፈል እዩ። ንደገፍቲ ኣርሰናል ድማ ዓቢ ሓጎስ ፈጢርሎም ኣምስዩ። ክለብ ኣርሰናል ብልቓሕ ንኡራጋያዊ ኣከፋፋሊ፡ ሉቃስ ቶሬራ፡ ናብ ኣትሌቲኮ ማድሪድ ንማቲዮ ጉንዶዚ ድማ ናብ ሀርታ በርሊን ኣፋንያቶም። ኣርሰናል ካብ ሀርታ በርሊን ወዲ 18 ዓመት ተከላካሊ ኦማር ራክቲክ ካብ ሽወደናዊት ክለብ ማልሞ ድማ ንኣጥቃዓይ ኒኮላች ድስሙለር ወኒና ኣላ።

ክለብ ማንቸስተር ዩናይትድ 4 ተጻወቲ ክተፈርም ኮ እንተከኣለት ዕውት ምስግጋር ጌራ ክበሃል ኣይከኣልን። ነቲ ወርሒ ምሉእ ክትከታተሎ ዝጸሐት፡ ሳንቾ፡ ክተፈርሞ ዘይከኣለት ዩናይትድ ንዑስማን ደምበለ ካብ ባርሳ ን ኣስማዒል ሳሪ ካብ ዋትፎርድ ብለቓሕ ክተፈርሞም ኣብ መወዳእታ ስዓት ፈቲና ግን ኣይሰለጣን። ማንቸስተር ዩናይትድ፡ ዘፈረመቶም ተጻወትቲ ንምጥቃስ፡ ታሪካዊት ማልያ ቁጽሪ 7፡ ለቢሱ ክጻወት ዝኾነ ካቫኒ፡ ኣሌክስ ቴለስ፡ ፋኩንዶ ፐሊስትሪ፡ ኣማንድ ዳሎ ትራኦረን ክኾኑ ከለው፡ ንክሪስ ስሞሊንግ ናብ ክለብ ሮማ ብቀዋሚ ከም ዘፋነወቶ ውን ተፈሊጡ። ንፕረምየር ሊግ ብጽቡቕ ዘይጀመረቶ ትመስል ዘላ ዩናይትድ ንኣሰልጣኒ ከለብ ቶተንሃም ነበር፡ ፖቸቲኖ፡ ተጣይቐሉ ከምዘላ ውን ይዝረብ ኣሎ።

ክለብ ኤቨርተን ሕጂ ውን ንተከላካላይ ቤን ዌድፍረይ 25 ሚልዮን ሰሊዓ ካብ ክለብ ኖርዊች፣ ንሓላዊ ልደት ሽወደናዊ ሮቢን ኦልሶን ድማ ካብ ክለብ ሮማ ንፒክ ፎርድ ተወዳዳርነት ክትገረብረሉ  ክተፈርሞ ከምዝከኣለት ተፈሊጡ። ኤቨርተን ንናይ ቀደም ተጻዋታይ ክለብ ኣርሰናል ዝነበረ፡ ቲዮ ዋልኮት፡ ድማ ናብ ናይ ንእስነት ክለቡ፡ ሳውዝ ሃምቶን፡ ከምዘፋነወቶ ተገሊጹ።

ክለብ ቸልሲ፡ ንሩበን ለፍቱስ ቸክ፡ ገለ ክፋል ደሞዙ ባዕላ እንዳከፈለት ናብ ፉልሃም ብልቓሕ ኣፋንያቶ። ንቲሞ ባካዮ እዉን ናብ ናፕሊ ብልቓሕ ኣፋንያቶ ኣላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com