Thursday , April 25 2024

ናይ ህጻናት ኣሰልጣኒ ስፖርት፡ ብጾታዊ ገበን ይጥርጠር

ኣብ ምምሕዳር ኦሬብሮ እትርከብ ናይ ስፖርት ክለብ፡ ሓደ ኣብ 40ታት ዝዕድሚኡ ህጻናት ዘሰልጥን ሰብኣይ፡ ኣብ ልዕሊ ህጻናት፡ ዝተፈላለዩ ጾታዊ ገበናት ፈጺሙ ክኸውን ይኽእል እዩ ብዝብል ጥርጣረ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ ክብል ነሪከስ ኣለሃንዳ (Nerikes Allehanda) ጽሒፉ።
እዞም ኣብ ኦረብሮን ካልኦት ምምሕዳራትን ካብ ዓመተ 2013 ክሳብ 2017፡ በቲ ወዲ 40 ዓመት ሰብኣይ ተፈጺሞም ክኾኑ ይኽእሉ እዮም ዝበሃሉ ገበናት፡ ኣብ ልዕሊ ህጻናት ዝተፈጸሙ ናይ ምግሳስ፡ ጾታዊ ዓመጽ፡ ብዕሉግ ናይ ህጻናት ስእልታትን ፖርኖግራፍን እዮም።
እቲ ሰብኣይ ኣብ ወርሒ ሰነ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ እኳ እንተ ኣተወ፡ እቲ ስፖርታዊ ክለብ ግን በዞም ገበናት ጥርጡር ምዃኑ ዝሓለፈ ሰሙን ምፍላጡ ሓቢሩ።
ክሳብ ሕጂ ብዘለና ሓበሬታ ኢና ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ሒዝናዮ ዘለና። ሓደ ሰብ ክሳብ ወንጀል ከም ዝፈጸመ ዝረጋገጽ ገበነኛ ኣይኮነን፡ ይኹን እምበር ምስ ናእሽቱ እናሰረሐ ከምዚ ዓይነት ገበናዊ ክስታት ስለዝመጾ ኣብ መጻኢ ምሳና ኣይክሰርሕን እዩ ክብል ወኪል እቲ ስፖርታዊ ክለብ ገሊጹ።
ኣኽባሪ ሕጊ፡ ክሳብ ዕለት 20/08/2020 ዘሎ ግዜ እቲ ክሲ ከቕርቦ ምዃኑ ተፈሊጡ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com