Friday , April 19 2024

ናይ ትምህርቲ ስእሊ ንኽሳኣል፡ እታ ኣብ ክሳዱ ኣንጠልጢልዋ ዝነበረ መስቀል ንኸውጸኣ ተገዲዱ

ሓደ ወዲ 15 ዓመት ተማሃራይ፡ ናይ ትምህርቲ ስእሊ ንኽሰኣል፡ ኣብ ክሳዱ ኣንጥልጢልዋ ዝነበረ መስቀል ንኸውጻኣ ከምተገደደ፡ ኣንጻር ጉዳያት ዓሌትነት ዝጣበቕ ተሓላቕ ፍትሒ ገሊጹ።

እታ ሰኣሊት፡ ናይ ትምህርቲ ስእሊ ንኽትሳኣል፡ እታ ኣብ ክሳድካ ዘላ መስቀል ኣውጽኣያ ኢላትኒ፡ ኣነ ውን ከምቲ ዝበለትኒ ጌረ ክብል እቲ ህጻን ከምዝሓበረ መርበብ ሓበሬታ ተተ (TT) ኣመሓላሊፉ።

ነቲ ጉዳይ ኣመልኪታ፡ እቲ ኩነት ክኸውን ዘይግበኦ እዩ ነይሩ፡ እንተኾነ ውን ኣይገርመንን እዩ፡ ምኽንያቱ እዚ ንሪኦ ዘለና ንእሽቶ ቁልዒ ካብቲ ሓዊ ስለዝኾነ ክትብል ሊቀ-ጳጳሳት፡ ኣንቲ ጃክሊን፡ ዝሃበቶ ግብረ መልሲ ንጋዜጣ ዳገን ገሊጻ።

እቲ ጉዳይ፡ ኣገራሚ እዩ ኔሩ፡ እታ ሳኣሊት ድማ ግጉይ ውሳኔ ተኸቲላ ክብል ሓለቓ ቤት ትምህርቲ ምስታ ጋዜጣ ኣብ ዝገበሮ ርክብ ርእይትኡ ገሊጹ።

ሽወደናዊ ንተማሃሮ ዝስእል ማሕበር (SER)፡ ንፖሊስኡ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ኣብ እዋን ናይ ትምህርቲ ስእሊ፡ ዓሌታዊ፡ ሃይማኖታዊ፡ ፖለቲካውን ፈላላይን ዘንጸባርቑ ዝኾነ ዓይነት ታቤላታት፡ ጽሑፋትን ምልክታትን ኣይፍቀድን እዩ ክብል ድሕሪ ምብራህ፡ እዛ ፍልይቲ ኣጋጣሚ ድማ ካብኡ ትፍለ ኣይኮነትን ክብል ኣብሪሁ።  


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com