Friday , March 29 2024

ናይ እዋን ሕማም ክፍሊት ብ18 ዕጽፊ ወሲኹ

ብምክንያት ቅልውላው ኮሮና መንግስቲ ዝኸፍሎ ካሕሳ ናይ ሕማም ዕረፍቲ ካብ 1 ቢልዮን ናብ 18 ቢልዮን ማለት 18 ዕጽፊ ምውሳኹ ተገሊጹ ክብል ንመንግስታውያን ኣሃዛት ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና SVT ሓቢሩ።

እቲ ኩባንያ ናይ ሕሙም መጸበይ ሳምንታት ብምጉዳል ንኽልተ ሳምንቲ እኹል ዝበሃል ደሞዝ ንሰራሕተኛታት ክኸፍል እኳ እንተጸንሐ ካብ ወርሒ ሚያዝያ ኣትሒዙ መንግስቲ ከም ኣካል ምሕዋይ ነዘን ትካላትን ሰራሕተኛታትን ገንዘባዊ ፈሰስ ክገብር ምጽንሑ ዝፍለጥ እዩ።

እዚ ማለት ሰራሕተኛታት ካብ ወርሒ ሚያዝያ ንደሓር ዝነበረ ወጻኢ ናይ ሕማም-ዕረፍት መዓልታት ከም ዝትካኣሎም ኣወሃሃዲት ኢንሹራንስ፡ ሲሲልያ ኦዲን፡ ገሊጻ።

እዚ ድጎማ ኣብ ናይ ሰራሕተኛትት ናይ ሕማም ግዜ ደሞዝ ዝምርኰስ ኮይኑ ኣብ ሕሳብ ቀረጽ ዝውህለል እዩ። ሓፈሻዊ ኣስራሕቲ ዝበዝሐ ገንዘብ ምርካቦም ድማ ካብ ማዕከን ኢንሹራንስ እተረኽቡ ኣሃዛት የመልክቱ።

ኣብ መዳይ ብሕታዊ ጽላት ሳምሄል፡ ቮልቮን ፖስትኖርድን ብተኸታታሊ ይመርሑ ኣለዉ።  ብመንጽር ጂኦግራፊ  ዮተቦሪ ዝበዝሐ ብርኪ ማለት 87.7 ሚልዮን ክሮና ክትረክብ እንከላ መላእ ኣውራጃ ቪስትሮላንድ ድማ ካብ ወርሒ ሓምለ ኣትሒዛ 200 ሚልዮን ክሮና ክትረክብ እያ።

ብመሰረት ተታሒዙ ዝጸንሐ ውጥን እዚ ድጎማ ኣብ ምጅማር ጥቅምቲ ደው ከም ዝብልን እዚ ድማ ኣብ ሽቅለት ሽግር ክፈጥር ከም ዝኽእልን ድማ ተሓቢሩ።

“እዚ ሓገዝ ምስ ምጉዳል ክፍሊት ሰራሕተኛታት ተደሚሩ ኩባንያታት ቁሩብ ትንፋስ ክመልሳ ጌሩ’ሎ” ክብል ዳይረክተር ፖሊሲ ILO ኣንድርያስ ኡስትሮም ሓቢሩ። መንግስቲ ክሳብ ዝቕጽል ዓመት፡ ናይ ሕማም መፋነዊ ክሳራ ፍርቁ ክሽፍኖ ንደሊ ኢና” እውን ኢሉ።

እዚ ጉዳይ ክናዋሕ ብዛዕባ ምዃኑ ዛጊት ዝተባህለ ነገር የለን። ሚኒስተር ማሕበራዊ ድሕነት ኣርድላን ሺካራቢ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ መንግስቲ ነዚ ጉዳይ ብቐረባ ይከታተሎ ምህላዉ ገሊጹ።

“እዚ ውሳነ ኮቪድ ማሕበራዊ ሽግር ምዃኑ ክቕጽል ድዩ ዝብል ሕቶ ምስ ተመለሰ ጥራይ እዩ ክትግበር ዝከኣል” ክብል ወሲኹ ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com