Friday , April 19 2024
ቅርጺ ክሮና ቫይረስ ስእሊ፥ ማእከል ምክልኻል ሕማማት , EPA / TT

ናይ ጾታዊ መጻምዲ ምብዛሕ ንለበዳ ኮሮና የቃልዕ እዩ ተባሂሉ።

በዓልመዚ ህዝባዊ ጥዕና ኣብ ዘውጽኦ ሓድሽ መምርሒ ኣብ እዋን ለበዳ ኮሮና ጾታዊ መጻምዲ ምብዛሕ ወይ ምስ ቡዙሓት ጾታዊ ርክብ ምፍጻም ንለበዳ ከም ዘቃልዕ ን ጋዜጣ ኣፍቶንብላዴት ብምጥቃስ ሓቢሩ። መጻምዲ ዝኾነ ይዂን ምልክት እንተዘይብሎም ጾታዊ ህይወቶም ከስተማቕሩ ዝመኸረ እቲ ጸብጻብ ምስ ካብ ሓደ ንላዕሊ ዝግበር ጾታዊ ዝምድና ግና ነዚ ሕማም ኣብ ምልባድ ኣሉታዉ ተራ ክጻወት ከም ዝኽእል ኣመልኪቱ።

ኣማኻሪ ሕማማት ለበዳ መንግስቲ ሽወደን ኣንደርስ ቲግኔል እዚ ሓበሬታ ድሕሪ ንጹር መርመራ ምውጽኡን ኣብ መርበብ ሓበሬታ እቲ ክፍሊ ተመሓዪሹ ክልጠፍ ከም እተገብረን ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ ዋዕላ ሓቢሩ። በዓልመዚ ህዝባዊ ጥዕና ዴንማርክ ብወገኑ ምስ መጻምድትኻ ዝግበር ጾታዉ ርክብ ኣብ እዋን ለበዳ ኮሮና ኣገዳሲ ምዃኑ ድሕሪ ምሕባር ምስ ሓደስቲ መጻምዲ ዝህሉ ርክባት ግና ነቲ ለበዳ ኣብ ምስፍሕፋሕ ኣሉታዊ ኣስተዋጽኦ ከም ዝጻወት ኣስሚራትሉ። እዚ ንነጨበረር ሽወደናውያን ባህ ዘየብል ዜና ምዃኑ ጋዜጣ ኣፍቶንብላዴት ትንክፍ ኣቢላቶ ሓሊፋ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com