Wednesday , April 24 2024

ንኮሮናቫይረስ ዚምልከት ግዜያውን እተረጋገጸን ሓበሬታ

ኣብ ሃገር ሽወደን ለብዳ ኮሮናቫይረስ ይግስግስ ኣሎ። ክፍሊ ህዝባዊ ጥዕና፡ ነቶም ምልክታት ዘርእዩን ዕድመኦም ልዕሊ 70 ዝኾነን ማሕበራዊ ርክባት ኬቋርጹ ይጽውዕ። ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስትሪ ንወጻኢ ዚግበር መገሻ ኣድላዪ እንተ ዘይኮይኑ ኪቋረጽ ይመክር። ኣብዚ፡ ነቲ ቫይረስን ለበዳን ኣተሓሕዛኡን ዚምልከት ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል።

ምርመራ ኮሮናቫይረስ ኣብ ሻሪተ በርሊን፡ ጀርመን፡ ፎቶ Christophe Gateau/TT. 

ኣብቲ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ተለፎን ጽቕጥቅጥ ኣሎ፡ ነቶም ብሓቂ ዘድልዮም ሓግዙዎም። ሓያሎ ልሙዳት ሕቶታት ኣብቲ መንግስታዊ ወብሳይታት ወይ ድማ ኣብዚ Krisinformation.se መልሲ ይረኽቡ ኢዮም።

ክፍሊ ህዝባዊ ጥዕና፡ ሕቶን መልስን

ሓበሬታ ብተለፎን

  • ኣብ መርበብ ኢንተርነት ሓበሬታ ምስ ዘይትረክብ 113 13 ደዉል
  • ናብ 1177 እትድውል ነቲ ሕማም ዚምልከት ውልቃዊ ምኽሪ ምስ እትደሊ ጥራይ እዩ። ናብዚ ደዊልካ ልሙድ ንኮሮናቫይረስ ዚምልከት ሕቶታት ወይ ብዛዕባ ናይቲ መንግስቲ ርእይቶታት ኣይትጠይቕ።

ለበዳ ንምቕናስ ሓግዝ

ነዚ ለበዳ’ዚ ንምዕጋት ኩላትና ብሓደ ኴንና ክንሰርሕ ይግበኣና።

  • ከም ናይ ጉንፋዕ ምልክታት ምስዓል ረስኒ ምስ ዚህልወካ ወላ’ውን ቀሊል ይኹን ኣብ ገዛ ጽናሕ። ክሳዕ እትሓዊ ብውሕዱ ክልተ መዓልታት ተጸበ፡ ብድሕሪኡ ናብ ስራሕ ወይ ናብ ትምህርቲ ትኸይድ። ንምልክታት ዚምልከት ኣብ ታሕቲ ተወከስ።
  • ዘየድሊ ናብ እንዳ ኣረገውትን ሆስፒታልን ምብጻሕ ኣይትግበር። ሕማም ምስ ዚስምዓካ ይትረፍካ። ኣረጋውያን ኣዝማድ’ውን ኣይትብጽሓዮም።
  • ዘይድሊ መገሻ ይትረፍካ። ናይ በዓልት መገሻ ኣድላዪ ዲዩ ኢልካ ሕሰብ። ከምኡውን ናብ ዓበይቲ ከተማታት፡ ናይ ጎቦታት መዘናግዒ ቦታታትን ካልኦት ብዙሕ ሰብ ዚእከቡሉን ኣይትጊሽ። ንውሽጣዊ ሃገር መገሻ ኣብዚ ብተወሳኺ ኣንብብ፥ Läs mer om inrikesresor här.
  • ኩሉ ግዜ ኣእዳውካ ብሳምናን ብምዉቕ ማይን ሕጸቦ። ኣብዚ ሓያሎ ናይ ንጽህና ምኽርታት ኣሎካ፥ Fler hygienråd hittar du här.

ልሙድ ምልክታት ኮቪድ-19

  • ሰዓል
  • ረስኒ
  • ሕጽረት እስትንፋስ
  • ጸረር ዚብል ኣፍንጫ
  • ቃንዛ ጎረሮ
  • ሕማም ርእሲ
  • ቃንዛ ጭዋዳን መላግቦን
  • ስምዒት ሕማም

መብዛሕትኦም እቶም ኮሮናቫይረስ ዚሕዞም ኣዚዮም ኣይሓሙን እዮም፡ ገለ ግን ናይ ምስትንፋስ ሕጽረትን ረኽሲ ሳንቡእን የጋጥሞም። ምስ ሓወኻ ግን፡ ቀጻሊ ምልክታት የብሉን። ንተወሳኺ ኣብዚ ኣንብብ፥1177 vårdguidens webbplats

ልዕሊ 70 ዓመት ዕድመ ዘሎካ ማሕበራዊ ርክባት ኣቋርጽ

ክፍሊ ህዝባዊ ጥዕና ነቶም ልዕሊ 70 ዝዕድመኦም ሰባት ነቲ ማሕበራዊ ርክባቶም ኪድርቱዎ ይጽውዕ።  

  • ምስ ካልኦት እትገብሮ ርክባት ደርቶ
  • ናብ ከም ብዙሕ ትራፊክ ዘለዎ ቦታን ብዙሕ ሰብ ዘለዎ ዕዳጋታትን ኣይትኺድ
  • ምስ ብጾትካን መቕርብካን ብትሌፎን ወይ ኢንተርነት ተራኸብ
  • ኣብ ደገ ወጺእካ ተዛወር 
  • ስጋ ክትዕድግ ከሎኻ ሓገዝ ሕተት

ሓደ ሰብ ሓኪም ዝኣዘዘሉ መድሃኒት ካብ ፋርማሲ ከምጽእ ምስ ዚደሊ፡ ነዚ ዚምልከት ኣብዚ ወብ ረአ፥ eHälsomyndighetens webbplats.

ተኣፈፍቲ ጉጅለታት

ብመሰረት ዚካየድ ዘሎ መጽናዕቲ፡ እቶም ተኣፈፍቲ ሰባት እቶም ልዕሊ 70 ዓመት ዝዕድመኦም እዮም። ብተወሳኺ ድማ ኣብ ከምዚ ጉጀለ እናሃለዉ ከም ጸቕጢ ደም ናይ ልቢ ሕማም ናይ ሳንቡእ ሕማም ወይ ሕማም ሽኮር ኪህሉዎም ከሎ ከኣ ነቲ ሕማም የግድዶ። እቶም ሕዱር ሕማማት ዘለዎም ቀልጢፎም ይጥቅዑ። ኣብዚ ብተወሳኺ ኣንብብ፥ Läs mer här.

ምስ ሳንቡእ እተኣሳሰረ ሕማማት ምስ ዚህልወካ፡ ነቲ ናይ ኮቪድ-19 መጥቃዕቲ ንምቕናስ እንታይ ክትገብር ከም ዘሎካ ምስ ሓኪምካ ተላዘብ። ኣንጻር ኑሞንያ ወይ ኢንፍሉወንሳ ዚግበር ክታበት ንኮቪድ-19 ኪምክት ከም ዘይክእል ምፍላጡ ጽቡቕ እዩ።

ጥኑሳት

ንጥንስን ኮቪድ-19 ዚምልከት ሓበሬታ ዛጊት ድሩት እዩ። ብመሰረት ክፍሊ ህዝባዊ ጥዕና፡ እተን ጥኑሳት ከምቲ ኣንጻር ዝኾነ ኻልእ ለበዳ ዚወስዳኦ ስጉምታት ኣብዚ’ውን ተመሳሳሊ ስጉምቲ ኪወስዳ ይግባአን።

ናይ ኮቪድ-19 ምርመራ ኪገብር የድልየኒዶ?

ዳርጋ ብዙሓት ኮቪድ-19 ዚሕዞም ሰባት ቅልል ዝበለ ምልክት ኣርእዮም ብዘይ ክንክን ይሓውዩ። ስለዚ ኩሉ ዚስዕልን ናይ ጎረሮ ቃንዛን ረስኒን ወይ ዝኾነ ከም ኮቪድ-19 ዚትርጎም ምልታት ንዘርእዩ ዘመርምር ሕክምናዊ ምኽንያት የልቦን፡ ካልእ ሕማም’ውን ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ክፍሊ ህዝባዊ ጥዕና ከም ዚሕብሮ፡ እቶም ብርቱዕ ረስንን ናይ ሳምቡእ ረኽስን ዘለዎምን ኣብ ሆስፒታል ዚዕቆቡን ጥራይ እዮም ምርመራ ኪግበረሎም ዘለዎ። ይኹንምበር እቶም ኣብ ክፍሊ ጥዕናን ዚሰርሑ ወይ ንኣረጋውያን ዚከናኸኑ እሞ ምልክታት ዘርእዩ፡ ኮቪድ-19 ከይከውን ተባሂሉ ኪምርመሩ ይግባእ።

ዞባ ስቶክሆልም፡ ምልክታት ሕማም ምስ ዚህልወካ ባዕልኻ ነብስኻ ክትከናኸን ትኽእል እንተ ኾንካ ወይ ናብ ሓኪም ክትከይድ እንተ ኾንካ እትውከሰሉ ናይ ነብሰ ግምገማ ወብ webbaserad självskattning ኣዳሊዩ ኣሎ።

ስግኣታት ምስ ዚስምዓካ

ኣብዚ እዋን’ዚ ብዙሓት ሰባት በዚ ሕማም’ዚ ስግኣት ሓዲሩዎም ኣሎ። ኣብ Röda korsets webbplats ራዕዲ ምስ ዚሕዘካ እንታይ ክትገብር ከም ዘሎካ ምኽርታት ኣሎ። ቀዪሕ መስቀል እውን ናይ ሓገዝ ተለፎን ኣዳሊዩ ኣሎ፡ ስግኣት ወይ ራዕዲ ኪስምዓካ ከሎ ናብዚ ደውል፥ 0771-900 800 ። እቲ ኣገልግሎት ብዘይካ ቀዳመሰንበት ኩሉ ግዜ ካብ ፍርቂ መዓልቲ ክሳዕ ሰዓት ኣርባዕተ ክፉት እዩ።

Rädda barnen ረዳ ቦርነን ነቲ ኣብ ህጻናትን ወለድን ዚፍጠር ኮሮናቫይረስ ዚፈጥሮ ጭንቀት ንምቕናስ ዚምልከት እኩብ ሓበሬታ samlad information ኣለዎ።

ነቲ በዓል ተራ ዝኾነ ቀሺ ብመገዲ ናይቲ ሽወደናዊ ቤትክርስትያን chatt  ወይ digitalt brev ብምልኣኽ ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com