Thursday , March 28 2024

ኢንዱስትርያዊ መፍረ ሽወደን ብናህሪ ወሲኹ ተባሂሉ

ሓባሪ መጠን መፍረ ኢንዱስትሪ፡ ፓርቼዚንግ ማናጀርስ ኢንዴክስ (Inköpschefsindex)፡ ኣብ ወርሓ ሓምለ ካብታ ቅድሜኣ ዝነበረት ወርሒ ካብ 47.6 ናብ 51.0 ምውሳኹ ገሊጹ። ከም ናይ ጠለብን ፍርያትን ዝኣምሰሉ ንኡሳን ረቛሒታት ነዚ ወሰኽ መጠን ኢንደክስ ዓቢ ኣበርክቶ ከም ዝገበሮም ይግለጽ።

መፍረ ኢንዱስትሪ፡ ድሕሪ ወርሒ ለካቲት ናይዚ ዓመት፡ ንፈለማ ግዜ ናብ ደረጃ ምውሳኽ ገጹ ከም እተመልሰ ስዊድባንክ ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ።

እዚ ስታቲስቲክስ፡ ምስ 200 ኣብ ጽላት ኢንዱስትርያዊ ፍርያት ዝነጥፉ ናይ ዕድጊ ማናጀራት ብዝተገብረ ቃለ መሕትት ዝተኣኽበ ኮይኑ፡ ብስዊድባንክን ሲልፍን ዝቐረበ እዩ። መጠን ናይ ኢንደክስ ቁጽሪ ካብ 50 ዝለዓለ ምስ ዘመዝግብ፡ ምልክት ናይ ዕቤት ምዃኑ ጸብጻባት ሓቢሮም።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com