Tuesday , April 23 2024

ኣሃዱ ጥዕና ሽወደን፡ ክረምታዊ ንጥፈታት ህጻናት ንኽካየድ ኣፍቂዱ።

ኣሃዱ ጥዕና ሽወደን፡ ኣብ ክረምቲ ንዝካየዱ ንጥፈታት ህጻናትን ስፖርታዊ ውድድራት መንእሰያትን ቀጠልያ መብራህቲ ከምዝሃበ SVT ሓቢሩ። ዝካየዱ ንጥፈታት ሃገራውያን ክሳብ ዝኾኑ ክትግበሩ ይግባእ ክብል ኣማኻሪ ጉዳያት ለበዳ ሽወደን፡ ኣንዲሽ ቲግኒል፡ ኣብ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ። ኣሃዱ ጥዕና ሽወደን ንክረምታዊ ንጥፈታት ዝምልከት ኣብ ወርሒ ሰነ መምርሒታት ከመሓላልፍ ትጽቢት ይግበር።

ህጻናትና ምእንቲ ምሉእ ጥዕና ክረኽቡ ብዝተኻእለ መጠን እቲ ንቡር ንጥፈታቶም ክቕጽልዎ ይግባእ። ብዛዕባ ብመንገዶም ዝስዕብ ምዝርጋሕ ለበዳ ቫይረስ ዝምልከት ውን እኹል ዝኾነ መርትዖታት የለን ክብል ቲግኒል ብምውሳኽ ኣብሪሁ። ዘይተደልዩ መገሻታት ምዝውታርን ልዕሊ ናይ ሓደ ወይ ክልተ ሰዓታት ጉዕዞ ብመኪና ርሕቀት ዘለዎ ዘይምጉዓዝን ዝብል መምርሒ ይስረሓሉ ከምዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ቀንዲ ረቛሒ ናይ ክረምታዊ መዓስከር ህጻናት እቲ ፍጻመ ኣብ ከባቢኦም ክኸውን ከምዘለዎን፡ ጸረ ለበዳ ቫይረስ ዝኾኑ ቅድመ ኩነት ክዳለዉ ከምዝግባእ ዘዘኻኽር እዩ። ኣብ ግዜ ክረምታዊ መዓስከር እቶም ህጻናት ካብ ነንሕድሕዶም ፍንትት ክብሉ፡ ጽሬቶም ብግቡእ ክከታተሉን ዝኾነ ዓይነት ምልክት ሕማም እንተድኣ ተሰሚዕዎም ንገዝኦም ክምለሱ ከምዘለዎምን እቶም ዝሓመሙ ድማ ካብ ገዝኦም ክወጹ ከምዘይብሎም ኣዘኻኺሩ። ኣዳለውቲ ክረምታዊ መዓስከራት ንልምምድን ናይ ደገ ንጥፈታትን ቀዳምነት ክህቡ ከምዝግባእን ኣብ ግዜ ድቃስ፡ ምግብና ኮነ ኣብ ግዜ ካልእ ንጥፈታት ድማ ነቶም ህጻናት ካብ ነንሕድሕዶም ከረሓሕቕዎም ከምዝግባእ ቲግኒል ብምውሳኽ ኣዘኻኺሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com