Thursday , March 28 2024

ኣሌክሳንደር ኢሳቅ ምስቶም ኣርባዕተ ኣብ መጻኢ ን ሽወደን ስማ ዘጸውዑ ስፖርተኛታት ተባሂሉ ኣብ ቅድሚት ይስራዕ።

ንመጻኢ ኣብ ዝተፈላልየ ዓውዲ ስፖርት ንሽወደን ስማ ከጸውዕዋን ተስፋ ዘለዎም መንአሰያት  ካብ ዝተሰምዮ ኣርባዕተ ስፖርተኛታት ሓደ ወዲ 20 ዓመት ኣሌክሳንደር ኢሳቅ ብሙዃን ተሪቒሑ ። እዚ ምስ ስጳኛዊት ክለብ ርያል ሶሰይዳ ጹቡቕ ናይ ጸወታ ግዚኡ ዘሕልፍ ዘሎ መንእሰይ ሓደ ካብቶም ተጠመቲ ኣባላት ጋንታ ሽወደን ኮይኑ ኣብ ክራማት ንዝካየድ ውድድር ቻምፒዮን ሃገራት ኤውሮጳ 2020 ሽወደን ካብ ኣሌክስ ብዙሕ ከምትጽበ ኣብ ሽወደን ዝመደበራ ቪኤም ፈቨር ስፖርት ሎቪን (VMfeber Sportlovin) ትሕብር ።

ብተወሳኪ ሎሚ ምስ ኣብ ስጳኛ ትሕተም ኤል ሙንዶ ዲፖርቲቮ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት:  ዛላታን ኢብራሂሞቪች ኣብ ቻምፒዮን ሃገራት ኤውሮጳ 2020 ምስ ሃገራዊት ጋንታ ሽወደን ተሰሊፉ ኣብ ቦታኻ ተሰሊፉ ክጻወት ከመይ ትረኽቦ ንዝብል ሕቶ ” ኣነ ኩሉግዜ ቦታይ ከካፍሎ ቁሩብ እየ ካብኡ ዝመሃሮ ቡዝሕ ነገር ስለ ዘሎ ክብል ንዘለዎ ምቕሉልነትን ኣኽብሮት ገልጹ”።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com