Thursday , April 25 2024

ኣሌክሳንደር ኢሳቅ ንኩሎም ኣብ ጎኑ ኮይኖም ደገፎም ዝሃብዎ የመስግን!!

ትማሊ ምሽት ሃገርዊት ጋንታ ሽወደን ናይ መወዳእታ ግጥማ ምስ ደሴታት ፋሮስ ኣብ ሜዳ ኣረና ስቶሆልም ኣብ ዝገብረቶ ጸወታ ካብ መጀመርያ ዝተሰልፈ ኣሌክሳንደር ኢሳቅ ንኩሎም ደገፍቱ፣ ነቲ ካብ ደገፍቲ ሃገራዊት ጋንታ ሩማንያ ዝወረዶ ዓሊታዊ ጸርፊ ኣብ ጎኑ ደወ ኢሎም ዝሓገዝዎን ሕጂ እውን ኣብ ጎኒኻ ኣለና ዝበልዎ፣ በቲ ዘርኣኽሙኒ ደገፍ ኣዝየ ሕጉስ እየ ክብል ንኹሉ ኣመስጊኑ።

ኣሌክሳንደር ምስ መርበብ ሓቤረታ ኣፍቶን ብላደት ኣብ ዝገብሮ ቃለ መሕተት፣ ኣነ ኣብ ሜዳ ጸወታ ተረኺቦምን ብዝተፈላለየ መራኸቢ ቡዝሓንን ብዙሕ ደገፍን ኣንኽብሮትን ረኺበ እየ፣ እቲ ዝወረደኒ ዓሌትነት ኣዝዩ ዘሕዝን እካ እንተኾነ ኩሉ ኣብ ጎነይ ምህላውን ግን ሕጉስ እየ ክብለ ብምግላጽ ጠመተይ ንቅድሚት ብምግባር ናብ ዓወት ክምርሽ እየ ክብል ነቲ እዚ ደገፍ ንዓኻ እንታይ ክብል ዝተሕተቶ መልሲ ሂቡሉ።

ኣሌክስ ወሲኹ ዝኾነ ሕቶ ይኹን ብዛዕባ ዝወረዶ ዓለታዊ መጥቓዕቲ ዝምልከት ካብ ኣካየድቲ ዩዌፋ ኮነ ካብ ጋንታ ሮማንያ ዝኾነ ነገር ከምዝይመጾን ከምዘይሰምዔን ብምግላጽ።

ንሓገዝ ኪኢላ ሰነ ኣእምሮም (psychologist) ኣብ ሃገራዊት ጋንትኡ ብምዝምልከት ድማ፣ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ዝፈላለ ኮይኑ፣ ንዓይ ኣየድልየንን ኣዩ  ኣነ ብዓወት ናይ ሃገራዊት ጋንታይ ኣብ ሓጎስ እየ  ዘለኹ።

ኣብ መወዳእታ ነዚ ዓይነት መጥዓቕቲ ኣመልኪቱ ድማ፣ እዚ ዓቢ ፈጣሪ ሽግር ኣብ ሕብረሰብ ኮይኑ ነዚ ንምግጣም ድልው ኣለኹ ኩሉ ሰብ ክኹንኖድማ ጻዊዕት ኣቕሪቡ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com